2024.11.30 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ንሃይማኖታዊ ክብርታት ዘይምኽባር ናብ ዘይምጽውዋር ይድርኽ 2024.11.30 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ንሃይማኖታዊ ክብርታት ዘይምኽባር ናብ ዘይምጽውዋር ይድርኽ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ንሃይማኖታዊ ክብርታት ዘይምኽባር ናብ ዘይምጽውዋር ይድርኽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ዕለት 29 - 30 ሕዳር ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ "ጉባኤ ኩለን ሃይማኖታት" ተጋባእያን ዕለት 30 ሕዳር ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ዘይምጽውዋርን ጽልእን" ኣብ ዝተለለየ ዓለማዊ ኵነታት ዘተ ዘለዎ ዋጋ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንብዙሓት "መዓልታዊ ተመክሮ" ኮይኑ ዝበልዎ "ኣብ ፍልልይ ዝተመርኮሰ" ኣድልዎ ብምንቃፍ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ እምነታት "መንፈሳዊ ሓቅታትን "ክብርታትን" ምክፋል ኣገዳስነቱ ኣስተብሂሎም ፡“ንኽቡር ትምህርቲ ሃይማኖታት ዘይምኽባር ሓደ ካብቲ ጠንቂ ናይዚ ሎሚ ዓለም ዝረኽበሉ ሽግር ዝመልኦ ኩነታት እዩ” እንክብሉ ነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኣከቡ መራሕቲ እምነትን ወከልትን ንመበል ሚእቲ ዓመት ጽምብል ጉባኤ ኩለን ሃይማኖታት ንምኽባር ብስሪ ናራያና ዳርማ ሳንግሆም እምነት” ናባ ዝተዳለወ ዋዕላ ንተጋባእያን ተቐብሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማሕበራዊ ጽገና ናይ ስሪ ናራያና ትምህርቲ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ንሕድሪ ስሪ ናራያና መምህር ዘኽብሩ፥ ናይ ሂንዱ ሃይማኖት  "መንፈሳዊ መራሒ” ህይወቱ ንማሕበራዊ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ተሃድሶን ንምትብባዕን ንምድንፋዕ ከምዝወፈየ ገሊጾም

ንዓሌታዎ ስርዓት ብምቅዋም "ኩሎም ደቂ ሰባት ብሄሮም ይኹን ሃይማኖታውን ባህላውን ልምድታቶም ብዘየገድስ ኣባላት ሓንቲ ንጽል ሰብኣዊ ስድራቤት እዮም" ዝብል መልእኽቲ ዘስፈሐን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ኣብ... ዝኾነ ደረጃ፡ ወይ ብዝኾነ መልክዕ ኣድልዎ ክህሉ ከምዘይብሉ ኣጽኒዑ ከም ዝመሃረ ቅዱስነቶም የዘኻኽሩ።

"ሃይማኖታት ብሓባር ንዝሓሸ ሰብኣውነት"

ድሕሪ ሚእቲ ዓመት፡ ኣብቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባራዊ ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተኣንገደ "ዋዕላ ኩለን ሃይማኖታት፥ "ሃይማኖታት ብሓባር ንዝሓሸ ሰብኣውነት" ዝብል መርሕ ቃል ዝገበረ ምዃኑ ቅዱስነቶም ዘኪሮም፥ እዚ ቅውሙ ሓሳብ እዚ "ንዘመንና ብሓቂ ኣገዳሲን ኣድላይን እዩ" ቢሎም፥ "ሎሚ ኣብ ዓለም" ብሓቂ "ኣብ መንጎ ህዝብታትን ሃገራትን ዘይምጽውዋርን ጽልእን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ" . . . "ኣብ ብሄራዊ ወይ ማሕበራዊ መበቆል፡ ዓሌት፡ ሕብሪ፡ ቋንቋን ሃይማኖትን ዘሎ ፍልልይ" ዝተመርኮሰ "ኣድልዎን ምግላልን፡ ወጥርን ዓመጽን" ዝፍጸም ኣጋጣሚታት፡ "ንብዙሓት ውልቀሰባትን ማሕበረሰባትን መዓልታዊ ተመክሮ" ኮይኑ ኣሎ፡ ብፍላይ ድማ ን... ድኻታት፡ ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ድምጽን ንዘይብሎም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማዕረ ሕውነታዊ ደቂ ሰባት

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ምስ ዓቢ ኢማም ናይ ምስሪ ኣልኣዝሃር መንብረ ጥበብ ኣሕመድ ኣልጠይብ ዝኸተምዎ ሰነድ ‘ሰብኣዊ ሕውነት ንሰላም ዓለምን ሓባራዊ ናብራን” ዘኪሮም፥ እቲ ሰነድ ኣምላኽ "ንኹሎም ደቂ ሰባት ብመሰላትን ግቡኣትን ክብርን ማዕረ ፈጢሩ፡ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓባር ክነብሩ ጸወዖም" ይብል፥

"ተፋቐሩን ተኸባበሩን": ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ሓባራዊ ሓቂ ተኻፈሉ” . . . "ኩለን ሃይማኖታት" ዝካፈልዎ "መሰረታዊ ሓቂ" "ከም ደቂ ሓደ ኣምላኽ መጠን ንሓድሕድና ክንፋቐርን ክንከባበርን፡ ብዙሕነትን ፍልልይን ብመንፈስ ሕውነትን ሓቛፍነትን ከነኽብርን ክንተሓላለይ፡ ከምኡውን ንሓድሕድና ዀነ ነታ ሓባራዊ ቤትና ኽንከናኸን” ይምህረና፡ ከምዚ ዓይነት ትምህርቲ ዕሽሽ ምባል ኣብ ዓለም ጠንቂ ዕግርግር ምዃኑ ቅዱስነቶም ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ይኹን እምበር ነዚ ሓባራዊ መሰረታዊ ሓቂ ብሓድሽ ክንረኽቦ እንኽእል "ኵላትና ጸገማትን ብድሆታትን እናኣጋጠመና ኽነሱ ኣብ ብዙሕነትና ሓድነት ንምድልዳል ኣብ መንጎ ፍልልያትን ገበርቲ ሰላምን ስኒት ከም ዚህሉ ንምግባር ምስ ኵሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ምሕዝነታውን ርክብ ንምምዕባል ቈራጽነት እንተ ጌርና ጥራይ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምትሕብባር ኣንጻር ውልቃውነት

ቅዱስነቶም፥ ምኽባር፡ ክብሪ፡ ርህራሄ፡ ዕርቅን ሕውነታዊ ምትሕግጋዝን" ዝብል ባህሊ ንምድንፋዕ ኣብ መንጎ "ጽቡቕ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት" ምትሕብባር ከም ዝህሉ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝወጸ Joint Declaration of Istiqlal - ሓባራዊ ኣዋጅ ኢስቲቕላል ዝተቓልሐ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ድማ ከም ጸረ - መርዚ "ውልቃውነት፡ ምግላል፡ ዘይምግዳስን ዓመጽን ንዝብል ባህሊ ኮይኑ የገልግል” ቢሎም፥ ካብቲ ናይ ሓባር ባህርያቶም "ብምውሳድ" ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት "ዝሓሸ ሰብኣውነት ንምህናጽ ብሓባር ክጓዓዙን ክሰርሑን" ከምዝኽእሉ ገሊጾም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 November 2024, 17:08