ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ መራሒት መንግስቲ ባርባዶስ ተራኺቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ሕዳር ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወት ናይ ሃገረ ባርባዶስ መራሒት መንግስቲ ሚያ ኣሞር ሞትሊ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ፥ መራሒት መንግስቲ ሚያ ኣሞር ሞትሊ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ዘካየደቶ ርክብ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ምኽትል ዋና ጸሓፊ የኔታ ሚሮስላው ዋቾቭዝኪ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸበት ኣመላኺቱ፥
“ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተኻየደ ምዉቕ ክሌኣዊ ዘተ፡ ኣብ መንጎ ባርባዶስን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ዘዕግብ ምዃኑ ከም እተሰመረሉን፡ ሓያሎ ክሌኣዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ኣርእስታት፡ ከም ሓልዮት ናይ ሓባር ቤትናን ሳዕቤናት ምዝባዕ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሃገርን ዞባውን ዝረኣዩ እዋናዊ ማሕበረ - ፖለቲካዊ ጉዳያት” ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ዘተ ምክያዱን፡ እዚ ርክብ እዚ “ንሓባራዊ ረብሓ ህዝቢ ባርባዶስ ንምድንፋዕ ዳግማይ ብዝተረጋገጸ ተወፋይነት” ከም እተዛዘመ ኣፍሊጡ።
ናይ ሓባር ረብሓ፡ ህልዩን ተግባርን
መራሒት መንግስቲ ሞትሊ “ናይ ሓባር ሰናይ: ህልዩን ተግባርን” ብዝብል ኣርእስቲ ብጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቛም ኣብ ዝተዳለወ ዓውደ ጉባኤ ትሳተፍ ከም ዘላን፥ ዕለት 15 ሕዳር ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መንጎ መራሒት መንግስቲ ሞትሊን ናይ ስነ ቁጠባ ምህዞን ህዝባዊ ክቡራት ዋጋታትን ሊቅ - መምህር ማርያና ማዙካቶን ክሌኣዊ ዘተ ከም እተኻየደን እቲ ዘተ፡ ሓድሽ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዘማእከለ ቁጠባ ማለት ምስ ጉዳያት ጥዕና፡ ኣከባቢ (ብዙሕነት ህይወት፡ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየርን ማይን ሓዊሱ)፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ መጻኢ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝተኣሳሰር ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማትን ህጹጽን ዝምጥንን ስጉምቲ ንምፍጣር ብኸመይ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኮረ ምንባሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።