ር. ሊ. ጳ. ምስታ ብውግእ ዝዓነወት ዩክረይንቅን ቅድስቲ መሬትን ሓድነት ክንገብር ጸውዑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቶም ብፍላይ ኣብ ዩክረይን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን እተገብረ ውግእ ደው ንምባል ዘተ ዝጀመሩላ ቅድስቲ መሬት ሰላምን ሓድነትን ንኽረኽቡ ልባዊ ምሕጽንታኦም ከም ብሓድሽ ኣሐደሱ ።
"ነቶም ብዙሕ ስቓይ ዝወረዶም ዘሎ ሕዝቢ ዩክረይን ኣይንረስዓዮም" ውን በሉ። "ኣብታ ብዙሓት ሰባት ዝሳቐዩላ ዘለዉ ቅድስቲ መሬት ፍልስጥኤምን እስራኤልን ሰላም ንኽሰፍን እውን ንጸሊ።"
"ኵላትና ብሓባር ኴንና ምእንቲ ሰላም ንጸሊ"
ነቶም ፖላንዳውያን ነጋድያን ኣብ ዝለገሱሎም ቃል ሰላምታ ብፍላይ ነቶም ኣብ ዩክረይን ዚነብሩ ስቓይ ዝበዝሖም ሕዝቢ ብምድጋፍ ደድሕሪ እቲ ሩስያ ኣብ ናይ ጸዓት ትሕተ ቕርጺ ዘውረድዎ ቐጻሊ መጥቃዕቲ ካልእ መውዓዪ ዘይብሉ ቘራሪ ወርሓት ኬጋጥሞም ስለዝኽውል ብምድጋፍ "ለጋሳትን ገበርቲ ሰላምን" ኪዀኑ ተማሕጸንዎም።
"ኣብዛ ብጓሂ ውግእን ብዙሕ ቅልውላውን እተዋሕጠት ዓለምና በቲ ብህላወ ኣምላኽ እተተክአ ህይወትና ኣቢልና ሓጐስ ወንጌል ንንገር"
ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ኢጣልያውያን ቈልዑ ብፍላይ ምእንቲ ዩክረይናውያን ቈልዑን መንእሰያትን ምጽላይ ከይርስዑ ተማሕጸንዎም ። "ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ቈራሪ ወርሓት ብዘይ መሞቒ ዝሳቐዩ ዘለዉ ዩክረይናውያን ቈልዑን መንእሰያትን እሞ ሕሰቡ" ክብሉ ውን ተላበዉ።