ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ እምነት ኣብነታዊ ገድሊ ዘጒልሕ ሰነድ ቅድስናን ብጽዕናን ከም ዘጸቑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ሕዳር ንግሆ ምስ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማርቸሎ ሰመራሮ ከም እተራኸቡን ኣብቲ ርኽብ ነቲ ብሽዱሽተ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ፡ ብሔርን ዘመንን ዝተፈላለዩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እምነት ኣብ ምምስካር ዝነበርዎ ገድሊ ምስክርነት ዘጉልሕ ሰነድ ኣዋጅ ቅድስናን ብጽዕናን ይዅንታ ከም ዝሃብሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቶም ቅድስና ዝእወጀሎም ኢጣሊያዊ ዓለማዊ ሳልሳይ ማሕበር ዓለማውያን ደቂ ቅዱስ ዶመኒክ ብጹዕ ፒየር ጆርጆ ፍራሳቲ (1901 – 1923)፡ ኢጣሊያዊት ኣባል ማሕበር ደናግል ደቂ ቅድስተ መርያም ረዳኢተ ክርስቲያን ብጽእቲ ማሪያ ትሮንከቲ (1883 – 1969) ቅድስና ክእወጀሎም እዩ፡ ከምኡ እውን ቨትናማዊ ናይ ሰበኻ ካህን ሰማእት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣባ ኻቪየር ትሩኦንግ ቡዴፕ (1897 – 1946 ዓ.ም. ሰማእትነት ዝተቐበለ)፡ ኣብ ክሮኣዚያ ዝተወልዱ ናይ ኣላባንዳ ስዩም ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ዛግብረን ተራዳኢ ጳጳስን ዝነበሩ (1857 – 1924)፡ ኣገልጋሊት እግዚብሔር ስጳይናዊት ጆቫና ደላ ክሮቸ ኣባል ሳልሳይ ፍራንቸስካውያን ማሕበር ደናግል ኣባል (1481 – 1534) ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።