ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ቅድሚ 40 ዓመት ኣብ መንጎ ቺለን ኣርጀንቲናን ውግእ ዘሓቐ ዘተ’ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ቅድሚ 40 ዓመት ኣብ መንጎ ቺለን ኣርጀንቲናን ውግእ ዘሓቐ ዘተ’  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ቅድሚ 40 ዓመት ኣብ መንጎ ቺለን ኣርጀንቲናን ውግእ ዘሓቐ ዘተ’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 40 ዓመት ውዕል ሰላምን ምሕዝነትን ኣርጀንቲናን ቺለን ንምዝካር ናብ ዝተኻየደ ጽምምብል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ፍሉይ ስምምዕ ኣብዚ እዋን እዚ ንዝረኣዩ ውግኣት ንምፍታሕ ከም ኣብነት ከገልግል ከምዝኽእል ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 29 ሕዳር 1984 ዓ.ም. ቺለን ኣርጀንቲናን ነቲ ኣብ 1978 ዓ.ም. ናብ ዕጥቓዊ ግጭት ዘእተወ ንነዊሕ እዋን ኣብ ልዕሊ ቢግል ቻነል ዝነበረ ዶባዊ ምስሕሓብ ንምውጋድ ዘብቀዐ ፍሉይ ውዕል ሰላምን ምሕዝነትን ከም ዝኸተማን፡ እቲ ኣብ ንኡስ ክፍለ - ዓለም ደቡብ ኣመሪካ ንምርግጋእ ዝሓገዘ ውዕል ብቅድስቲ መንበር ዝተመቻቸወአ ኮይኑ፡ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነቲ ግጭት ኣብ ምሽምጋል ወሳኒ ተራ ከም ዝነበሮም ዜና ቫቲካን የዘካኽር።

ቅዱስነቶ ካርዲናላትን ኣባላት ኣካላት ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ዘሳተፈ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ቺለን ኣርጀንቲናን ኣብ ዘዳለውዎ ዝኽሪ ታሪኻዊ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት፥ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ኣብ ህልው ኩነታት ዓለም ሰላምን ዘተን ክረጋገጽ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዘሐደሱ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፥ “ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ነዊሕን ከቢድን ዘተ ዘርኣያኦ ጽኑዕ ተወፋይነትን ፍረ ሰላምን ምሕዝነትን ዝጸነሰ፡ ኣብዚ ብፍላይ ንዓለም ኣጸጋሚ እዋን፡ ናብ ርግኣት ዝመርሕ ኣብነት ኮይኑ ከገልግል ይኽእል እዩ” እንክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስ ህዝብታት ኣርጀንቲናን ቺለን ዝድገፉ ጳጳሳት ክልቲአን ሃገራት ብምዃን ነቲ ኣብ ፍትሒ፣ ኣህጉራዊ ሕጊ፣ ከምኡ’ውን ኣብ... ሓይሊ ምግላል ኣብ ዝብል ምሕጽንታ ዘካየድዎ ጻዕሪ ዘኪሮም፥

“ሎሚ ሓይሊ ምጥቃም ክሳብ ክንደይ ዘሕዝን ምዃኑ ንርኢ ኣለና”

ቢሎም ቀንዲ ረቛሒ ሰላም ምስ ኣምላኽን ጐረባብትን ዘተን ዕርክነትን ኢዩ . . . ብዛዕባ እተን ኣብቲ ውዕል ሰላምን ዕርክነትን እተሰመረለን ኽልተ ቐንዲ ቓላት ክሓስቡ እከለዉ፥ እዚ ናይ ምሉእ ዘየማትእ ከምኡውን ሰላማዊ ፍታሕ ናይ ሓደ ግጭት ኣብነት እዚ "ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ዓለም ኣብነት ክኸውን ከም ዝግብኦ ኣጕሊሖም፥ ኣስዒቦም ነቲ ሎሚ ግጭታት ዘጐሃህር ዘሎ ምጕዳል ፍትሒ ዓመጽ ከምኡውን ዘይማዕርነት ብምዝካር፥ "ምስ ኣምላኽ ንኽንራኸብን ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ንጐረባብትና ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ነገራት ብዝያዳ ንኽንፈልጥን " ልብና ብምኽፋት ነዚ ዕንቅፋታት እዚ ክንሰግሮ ኸም ዘሎና ኣስተብሂሎም፥ "ኣብ ኵሉ ሰብኣዊ ርክባት ዝንጸባረቕ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ኢዩ፣ እዚ መሰረት ሓጐስ እዩ፣ እዚ ኸኣ ፈጺሙ ዘይቕህምን እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት፡

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብጳጳሳት ኣርጀንቲናን ቺለን ኣብ ዝኽሪ ክሌኣዊ ስምምዕ ሰላም ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ብምጥቃስ፡ እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ንኽልቲኦም ኣህዛብ ካብ ውግእ ስለ ዘድሓኖም፥ "እቲ ኣብ መንጎ እተን ሰላም ክረኽባ ዝደልያ ሃገራት ኣብ ላቲን ኣመሪካን ኣብ መላእ ዓለምን ዘሎ ናይ ምርኻብን ምትሕብባርን መንፈስ ነቲ ንህዝቢ ዅለን ኣህጉራት ዝትንክፍ ከምኡውን ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ዝዀነ ኣዚዩ ንድኻታት ዝጎድእን ማሕበራውን ኣከባብያውን ቅልውላው ንምፍታሕ ዝዓለመ ምትሕብባር ዝመልኦ ተበግሶታትን መምርሕታትን ክስፍሕ ክገብር ኢዩ” እንክብሉ ስለ እቲ መበል 40 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ ንእግዚኣብሔር ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥  

ንውግኣ ኣጽዋሪ ወፍሪ እናገበርካ ንሰላም ምጽዋዕ ምስሉይነት እዩ!

ቢሎም፥ ንኣገዳስነት እቲ ኣብ 1984 እተገብረ ውዕል ብትዕግስቲ ዚግበር ውዕላትን ሕድገታት ምግባርን ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ብኸመይ ከም ዚመርሕ ዘርኢ ግዜ ዘይሓልፎ ኣብነት ገይሮም ኣትሪሮም ብምግላጽ፥ መንፈስ ሰላምን ዕርክነትን ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ግጭታት ንምፍታሕ ዝግበር ኣህጉራዊ ጻዕርታት ከም ዚጸልዎ ድማ ተስፋ ገይሮም፥

ንውግእ ኣጽዋር ወፍሪ ኣናገበራ ብዛዕባ ሰላም ዝዛረባ ሓያሎ ሃገራት “ምስሉይነት” ኣንክብሉ ብምግላጽ፥ “እዚ ምስሉይነት እዚ ኩሉ ግዜ ናብ ውድቀት ይመርሓና፡ ሕውነትን ሰላምን የፍርስ!”  

ምስ በሉ “ማሕበረሰብ ዓለም ብዘተ ሓይሊ ዝብል ሕጊ ይሰዓር ምስ በሉ፥

ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኣርጀንቲና ቺለን ከምኡውን ኣብ ኵለን እተን በማላድነት ቅድስተ ማርያም ንግስቲ ሰላም ሰላም ንምርካብ ዝቃለሳ ሃገራት በረኸት ኣምላኽ ተማሕጺኖም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 November 2024, 16:57