ኢስቶንያ ን100 ዓመት ሕድሪ ተኣማንነት ካቶሊካዊ እምነት ኣኽቢራ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መበል 100 ዓመት ቅዋመ ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ሃገረ ኢስቶንያ ኣብ ዝኽበረሉ ዘሎ እዋን ናብ ሰበኻ ታሊን ጳጳስ ፊሊፕ ዣን ቻርለስ ጆርዳን መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን እቲ ሰበኻ ገና ናብ ሃገረ ስብከት ክብ ዘይበለ ብሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ክምራሕ ከም ዝጸነሐን ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ናብ ሰበኻዊ ደረጃ ክብ ከም ዝነበለን ክፍለጥ እንከሎ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ናብ ኢስቶንያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ብምዝካር፥ ኣብ ኢስቶኒያ ንእምነት ካቶሊክ ነቕ ዘይብል ተኣማንነት ሓደ ዘመን የቕጽር ኣሎ፥ ቢሎም፥ "ንእሽቶ ግን ከኣ ህያው ቤተ - ክርስትያን" "ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ንዝርከቡ ማእለያ ንዘይብሎም ሰብኡትን ኣንስትን ምንጪ ርህራሀን መንፈሳዊ ትብዓትን" ብምዃና ከም ዝነኣዱ ኣፍሊጡ።
ናይ እምነት ምስክር
ቅዱሰንቶም ኣብ መልእኽቶም ኣብነት ናይ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ሊቀ ጳጳሳት ኤድዋርድ ፕሮፊትሊኽ ዘኪሮም “ንክርስቶስ ምስክርነቱን ምስ መጓሰኡ ቀረባን ክሳብ ናይ ደም ሰማእትነት ኣብ ምቕባል ከይተረፈ ዝመስከሮ ጽንዓትን ሎሚ እውን እንተኾነ ፍረ ዘፈሪ ዘርኢ እዩ . . . ሰማዕትነትን ሕድርን ሊቀ ጳጳሳት ፕሮፊትሊኽ ናይ ሕጂ ወለዶ ካህናት፡ ገዳማውያንን ልኡካነ ወንጌልን ዓለማውያንን ምእመናን” ሕጉሳት ልኡካነ ወንጌል ክኾኑ ከነቓቕሕ” ድማ ተስፋኦም ገሊጾም፥ ብመንጽር እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ካቶሊካውያን ኢስቶንያ “ኣብ ሰላምን ፍትሕን ምትሕግጋዝን ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣውነት ሰብን ዝተሰረተ ሕብረተሰብ” ክህሉ ኣብ ዝጽዕሩሉ ዘለዉ እዋን፡ “ምስ ካልኦት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብሓባር ዘካይድዎ ዕዩ” ክቕጽሉ ተላብዮም፥ ነዚ ተልእኾ እዚ ንምዕዋት ምስ ናይ ኩለን ኣቢያተ ክርስትያን ማሕበረሰብ ክተሓባበሩን “ንስደተይናታትን ኣዝዮም ተቓላዕትን ዝተጸገሙን ድማ ኣእዳው ዕርክነት” ክዝርግሑ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ታሪኽ ሓደ ዘመን
ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ኣብታ ሃገር ኣስታት 2,000 ካቶሊካውያን ጥራይ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ 1924 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ዓቃቤ. መንበር ኢስቶንያ ከም ዘቖሙን ሎሚ ካቶሊካውያን ካብ ጠቕላላ 1.3 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ኣስታት 1% ዝሽፍን ከም ዝኾኑን 60% ኢስቶንያውያን ድማ ኢኣማንያን ምዃኖም ይንገር።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 መስከረም 2024 ዓ.ም. ኣብ ኢስቶንያ ናይ መጀመርታ ካቶሊካዊ ሃገረ ስብከት ብምቛም ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር እታ ሃገር ናብ ሃገረ ስብከት ክብ ከም ዘበልዎን ኩላ ኢስቶንያ ኣብታ ሓንቲ ሃገረ ስብከት ታሊን ዝሕቆፍ ኮይኑ ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ጳጳስ ፊሊፕ ዣን ቻርለስ ጆርዳን ቀዳማይ ሊቀ ጳጳሳት ናይቲ ሃገረ ስብከት ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።