ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምንጪ ኩሉ ፍቕሪ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣቤር ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ወንጌል ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ግዳማዊ ልምድታት ዘይኮነስ፡ እንታይ ደኣ ንሓድሕድና ብኸመይ ከም እንፋቐር እዩ እቲ ዝገድስ እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ሕዳር ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጽረ መንፈሳውያን ነጋዲያን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 12፣ 28 – 34

ካብ ጸሓፍቲ ሓደ ኽርክሮም ሰሚዑ ቐረበ፡ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ርእዩ ኸኣ ፥ ካብ ኵለን ትእዛዛትሲ ኣየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧ ኢሉ ሐተቶ።

ካብ ጸሓፍቲ ሓደ ኽርክሮም ሰሚዑ ቐረበ፡ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ርእዩ ኸኣ ፥ ካብ ኵለን ትእዛዛትሲ ኣየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ መለሰ ፥ እታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ ፥ እስራኤል፡ ስማዕ ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር።

ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቕሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ።

እታ ኻልኤይታ እትመልሳ ድማ ፥ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቕሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዓቢ ኽልእ ትእዛዝ የልቦን። እቲ ጸሓፊ ኸኣ ፥ መምህር፡ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛረብካ፡ ኣምላኽ ሓደ እዩ፡ ብጀካኡ ድማ ካልእ የልቦን።

ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብዅሉ ሓይልኻን ከተፍቅሮ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ኸተፍቅሮ፡ እዚ ኻብ ኵሉ ዚሐርር መስዋእትን ካብ መስዋእቲ ሕሩድን ዚዓቢ እዩ፡ በሎ።

የሱስ ድማ፡ በእምሮ ኸም ዝመለሰ ምስ ረኣዮ ፥ ንስኻስ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን፡ በሎ። ደጊሙ ኺሐቶ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይደፈረን።

ዝተወስደ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣማእኪሎም፥ ካብ ሕጊ መምሃራን ሓደ ካብ ኵለን ትእዛዛትሲ ኣየነይቲ እያ እታ ቐዳመይቲ፧ ቢሉ ዘቕረበሉን ሕቶን ኢየሱስ ዝሃቦን መልሲ እንከስተንትኑ፥ እቲ ሕቶ ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ዘመን ጥራይ ዝምልከት ዘይኰነስ “ንዓና እውን ንህይወትናን ንጉዕዞ እምነትናን ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ኣብሪሆም፥

ኣብ መንጎ መዓልታዊ ናብራ ዝርዝር ዕዮ ከምኡውን ዕዮ ገዛ ዓቕሊ ጽበት ክስምዓካ ይኽእል ኢዩ ስለዚ "ኵሉ ነገር ዘንጸባርቐሉ ማእከል ካበይ ክንረክብ ንኽእል?" እንክብሉ ሕቶ ኣቕሪቦም፥ ከምቲ ኢየሱስ ነቲ ናይ ሕጊ መምህር ኣብ ወንጌል ዝነገሮ፡ እቲ መልሲ ኣብ ኽልተ ትእዛዛት ማለት ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን እዩ። እዚ ድማ ሕመረት ክርስቲያናዊ ሕይወት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ እምነትና ሕመረት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዅሎም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናን፥ "ልቢ ሱር ምንጪ ብርታዐናን እምነትናን ስምዒትናን ውሳነታትናን እዩ ስለዚ ናብዚ ናይ እምነትና ሕመረት ንመለስ . . . እቲ ዘገድስ ደጋዊ ተግባራት ዘይኰነስ ንኣምላኽን ንኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ብፍቕሪ እትርህውሉ ናይ ልቢ ድሉውነት ኢዩ" እንክብሉ ገሊጾም፥ ኣብ መወዳእታ ህይወትና ብዛዕባ እቲ ዝሃብናዮ ፍቕርን ብዛዕባ እቲ ዝዓቀብናዮ ፍቕርን ጸብጻብ ክንህብ ከም እንጽዋዕ ኣዘኻኺሮም፥
ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናን መዓልታዊ ናይ ሕልናና ምርመራ ብምግባር ንኣምላኽን ንብጻይናን ብኸመይ ከም እነፍቅሮም ክንስተንትን ይግባእ እንክብሉ እዚ ሓላፍነት እዚ ንኹሎም ኣቕሪቦም፥

Dilexit Nos - ኣፍቀረነ

እዚ ናብ ልቢ ምምላስ ኣገዳስነት ዝገልጽ መልእኽቲ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝጸሓፍዎ ኣፍቀረነ ዘርስቱ ዓዋዲ መልኽቲ ዘመላኸትዎ ምዃኑ ዘኪሮም፥ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ንሰብኣውን መለኮታውን ፍቕሪ ልቢ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወፈየት ምዃኑ ገሊጾም፥ ንቅዱስ ልቢ ተወፋይነት ምሕዳስ ዝጽውዕ ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ንዓለም ክንልውጥ እንኽል ካብ ልብና ብዝጅምር ምልዋጥ እዩ እንክብሉ ኣስተብሂሎም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ዛዚሞም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 November 2024, 16:57