ር.ሊ.ጳ. ንዝኽሪ መበል 30 ዓመት ሓባራዊ ስምምዕ ምስ ኣሶራዊ ፓትሪያርክ ተራኺቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ብኣማላድነት ቅዱስ ይስሃቅ ዘ ነነዌን ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ክርስቶስ ኣምላኽናን መድሓኒናን፡ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕ ኣብተን ብኲናት ሰማእታት ዝኾና ሃገራት ምስክርነት ትንሳኤ ክርስቶስ ይቐጽሉ!”
ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ሕዳር 2024 ዓ.ም. ምስ ናይ ኣሶራውያን ምስራቓዊት ቤተ ክርስቲያን ካቶሊኮስ ፓትሪያርክ ማር ኣዋ ሳልሳይን ኣባላት ሓባራዊ ኣህጉራዊ ሽማግለ ቲዮሎጊያዊ ዘተ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣሶርያዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን ኮይኑ፥ እዚ ርክብ እዚ እቲ ዕለት 11 ሕዳር 1994 ዓ.ም. ዝተኸተመ ዛዕባ ስነ ክርስቶስ ናይ ሓባር ናይ ኣዋጅ ሰነድ መበል 30 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዕለትን ከምኡ እውን ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ኣብቲ እዋን ናይ ሽዑ ናይ ኣሶራውያን ምስራቓዊት ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ ፓትሪያርክ ማር ዲንካ ራብዓይን ኣብ ቫቲካን ንፈለማ ግዜ ኣብ መንጎ መራሕቲ ካቶሊካዊትን ኣሶርያዊትን ኣብያተ ክርስቲያናት ዘካየድዎ ርክብ መበል 40 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ዝተኻየደ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ናብ መዓልቲ ምሉእ ሓድነት ምጥማት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 9 ሕዳር ኣብቲ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ናብ ምሉእ ሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጻዕርታት ኣተባቢዖም፥
“እቲ ዓቢ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ጆን ዚዚዮላስ፡ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ፡ "ውህደት ዝረጋገጸሉ ዕለት እፈልጣ እየ፣ እፈልጦ እየ . . . እወ መዓስ ግን? ድሕሪ እታ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዘላ መዓልቲ . . . ቅድሚኡ ግን ምሉእ ሕብረት ኣይክህሉን ኢዩ ክሳዕ ሽዑ ግን ብሓባር ክንከይድ ብሓባር ክንጽሊ ከምኡውን ብሓባር ክንዓዪ ኣሎና” ዝበሎ ጠቒሶም፥ ቀጺሎም ነቲ ካቶሊካውያንን ኣሶራውያንን ክርስትያን ነቲ ኣብ ወንጌል ኢየሱስ “ኩሎም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ” (ዮሃ 17፡21) እንክብል ዘቕረቦ ጻውዒት ምላሽ ክህቡ ዘነቓቕሕ ሓባራዊ “ናይ ሓድነት ድሌት” ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ሓደ ክርስትያናዊ እምነት ዘለዎም ኣመንቲ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ ንክርስትያናዊ ሓድነት ዝግበር ጻዕርታት "እታ ሓዋርያት ዘመሓላለፍዋ እምነት ከከም እተፈላለየ ኵነታት ህይወት ብእተፈላለየ መልክዕን መገድን ኢያ እትግለጽን ተቕባል እትረክብን ”ኣብ ዝብል እምነት እተመስረተ ምዃኑ ሕብረት ክርስቲያን ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ከም ዘመላኽቶ።
ኣብ 2001 ዓ.ም. ኣብ ኣናፎራ ኣዳይን ማሪን ዝተገብረ ውዕል ዘኪሮም፥ እዚ ስምምዕ እዚ ኣብ እተወሰነ ዅነታት ኣብ ቅዱሳት ምስጢራት ናይ ምልውዋጥ ስምምዕ ንኽህሉ ኣኽኢሉ ኢዩ፣ ሓባራዊ ኣዋጅ ቅዱስ ምስጢራዊ ህይወት 2017 ዓ.ም. ከምኡውን እቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ተክለ ሰብነት ቤተ ክርስቲያን፡ ሶርያዊትን ላቲናዊትን ትውፊታት ዘርእስቱ ሰነድ ንክህሉ መሰረት ዘንበረ ምዃኑ እውን ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓድነት ኣብ ጭቡጥ እምነት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቲዮሎጊያ ሓባራዊ ኣህጉራዊ ሽማግለ ኣባላት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ኣብ ጠመቓዊ ትምህርን ጉስነታውን ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ምዕባለ ምእንቲ ክረጋገጽ ብተወፋይነት ንዝገብርዎ ጻዕሪ ኣመስጊኖም፥ ይኹን እምበር እቲ ናይ ሓቂ ዘተ ካብቲ ሰናይ ግብርን ከምኡውን ካብቲ ምሉእ ብምሉእ ሰብኣውን ኩለ መደያውን ናይ ህይወት ዘተ ክፍለ የብሉን። "ቅዱሳንን ቅዱሳትን፡ ክርስትያን ናብ ምሉእ ውህደት ኣብ ዝጓዓዙሉ ዘለዉ እዋን፡ ድሮ ኣብ እምነት ሓድነት ከም ዝከኣል ኣብ በብቤተ ክርስቲያኖም ዝመስከሩ እዮም እንክብሉ ኣስተብሂሎም፥ ንቅዱስ ይስሃቅ ዘነነዌ ኣብቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወግዓዊ ናይ ሰማእታት ቅዱስን ሮማዊ መዝገብ ስሙ ክሰፍር ናይ ኣሶራውያን ምስራቓዊት ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ ፓትሪያርክ ማር ኣዋ ሳልሳይን ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ቤተ ክርስቲያንን ፍቓድ ከም ዝረኸቡ ኣፍሊጦም፡ ቅዱስ ይስሃቅ ሶርያዊ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ 7ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ኣሶራዊ ጳጳስ ዘነነዌ ካብቶም ኣዝዮም ክቡራት ኣቦታት ትውፊት ሶርያውያን ኮይኑ “ብኩሉ ክርስትያናዊ ትውፊታት ሊቅ ቲዮሎጊያን ቅዱስን” ተባሂሉ ተፈላጥነት ዝርኸበ እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡
ቅዱስነቶም ኣብ መደምደምታ ፓትሪያርክ ማር ኣዋ ሳልሳይን ኩሎም ኣሶራውያን ክርስትያን ምብራቕን ምስ ካቶሊካውያን ናብ ምሉእ ሓድነት ኣሚቶም ዝገብርዎ ጉዕዞ ክቕጽሉ ኣተባቢዖም።
“ዓለም ምእንቲ ክትኣምን ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናትና ዘሎ ምሕዝነት ክሳብ እታ ኣብ ሓደ መሰውኢ ብሓባር ስጋን ደምን መድሓኒና ክንቅበል እንኽእለላ ዝተባረኸት መዓልቲ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ዕርክነት ይዓምብብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።