ድለ

2024.11.08 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወለንተይናታትን ቤት ኣልቦን፡ ‘ኩላትና ወሃብትን ተቐበልትን ኢና’ 2024.11.08 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወለንተይናታትን ቤት ኣልቦን፡ ‘ኩላትና ወሃብትን ተቐበልትን ኢና’  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወለንተይናታትን ቤት ኣልቦን፡ ‘ኩላትና ወሃብትን ተቐበልትን ኢና’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሓደ ኣብ ቪየና ዝመደበሩ ኣብ ጎደናታት ንዝነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝሕግዝ ጉጅለ ወለንተይናታት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ ንወለንተይናታት ግብረ ሰናይ “ብገርሀናነት ብፍሽኽታ፡ ምልክት ዕርክነት ወይ ሕውነታዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ምጥማት” ንሓድሕዶም ክሀብትሙ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቪየና “Begegnung im Zentrum - ርክብ ኣብ ማእከል” እተሰምየ ጉጅለ ወለንተይናታት ዕለት 8 ሕዳር 2024 ዓ.ም. ኣብ ሃገር ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተራኸቡን፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ቅዱስነቶም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፥

ሓድነት ከም ‘ሓደ’

እቲ ጉጅለ “ካብ ኣዝየን ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታታ ሰዓብቲ” ንዝኾኑ ሰባት ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ተመኩሮ ህይወት ከምዘራኽብ ኣስተውዒሎም። ኰይኑ ግና፡ ንዅሉ ሰብ ሓድነት ክህልዎ ዝገብር ሓደ ነገር እዩ፦ ንሱ ኸኣ “ኣሕዋትን ኣሓትን ዝገብረና ደቂ እቲ ሓደ ኣቦ” ምዃንና እዩ . . . እዚ ክውንነት ዝጸንዕ እቲ ሕብረተሰብ “ንሓድሕዱ ክተሓጋገዝን ነፍሲ ወከፍ ከቕርቦ ዝኽእል ምስ ዘካፍልን እዩ፡

ገለ ሰባት ዝህቡ ገሊኦም ድማ ተቐበልቲ ጥራሕ እዮም ዝብል ሓሳብ ነጺግዎ። እንታይ ደኣ ኵሎም ሰባት ይህቡን ይቕበሉን እዮም። ነቶም ቤት ኣልቦ ዝኾኑ ግዳም ሓደር ዝሕግዙ ወለንተይናታት ንዋታዊ ሓገዝ ብምቕራብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብዚ ግብረ ሰናይ እዚ ከም ዘሀብትሙ ከስተውዕሉ ድማ ምዒዶም፥

"ቀሊል ፍሽኽታ፡ ምልክት ዕርክነት፡ ሕውነታዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ኣጠማምታ፡ ልባዊ ምስማዕ፡ ነጻ ኣገልግሎት" ኩሉ ኣብ ነንሕድሕድካ ዘሎናን ተመክሮን ምክፋል ዝሕግዙ መገድታት ክኾኑ ከም ዝኽሉ የብርሁ።

ፍቕሪ ኪኖ ኩሉ ደረት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ነቲ ከምቲ ንሱ ዘፍቀረና ንሓድሕድና ክንፋቐር ዝጠልብ ዝዓበየ ትእዛዝ ብምዝካር እቲ ጉጅለ ነዚ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ዘቕርቦ ጻውዒት ክስዕብ ኣተባቢዖም:

“ጎይታ ኪኖ ኩሉ ደረትን ሽግርን ንላዕሊ የፍቅረና እዩ . . . ፈጺሙ ኣይርስዓናን እዩ” ዝበሉ ቅዱስነቶም፥ ነቲ ጉጅለ ሕይወቶም ንኻልኦት ህያብ ክገብሩ ብምትብባዕ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 November 2024, 16:33