2024.11.29 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ምኽትል ርእሰ ብሔር ቦሊቭያ ተራኺቦም 2024.11.29 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ምኽትል ርእሰ ብሔር ቦሊቭያ ተራኺቦም  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ምኽትል ርእሰ ብሔር ቦሊቭያ ተራኺቦም

ዕለት 29 ሕዳር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ምኽትል ርእሰ ብሔር ቦሊቭያ ዳቪድ ቾከሁዋንካ ሴስፔደስ ከም እተራኸቡ ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓርቢ ዕለት 29 ሕዳር ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ንምኽትል ርእሰ ብሔር ሃገረ ቦሊቪያ ዴቪድ ቾከሁዋንካ ሴስፔደስ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ብመሰረት መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፡ ቾከሁዋንካ ሴስፔደስ ድሕሪ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ርክብ ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ዓለም ለኻ ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘካየዱን ኣብዚ ኣብ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ዘተ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ቦሊቭያን ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ከም እተሰመረሉን ብፍሉይ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕብረተሰብ ቦሊቭያ እትገብሮ ኣበርክቶ ዘተኮረ ምንባሩ” ዝሓበረ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፥ ብተወሳኺ ዛዕባ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ማሕበረ - ቁጠባውን ኩነታት ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት እውን ከም እተመያየጡ ኣመልኪቱ።  

30 November 2024, 16:53