2024.11.07 Partecipanti al pellegrinaggio promosso dalle Monache Agostiniane di San Ildefonso, da Talavera de la Reina (Spagna) 2024.11.07 Partecipanti al pellegrinaggio promosso dalle Monache Agostiniane di San Ildefonso, da Talavera de la Reina (Spagna)  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንኣሓት ደናግል፦ 'ሕዙን ቅዱስ ዘሕዝን ዓይነት ቅዱስ እዩ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስተን ኣብ ስጳኛ ዚርከባ ታላቬራ ደ ላ ሬና ዚበሃላ ኣሓት ደናግል ኣጉስጢኖሳውያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገሱለን ቃለ ማዕዳን ንዅለን እተን ድንግላትን ካህናትን ነቲ ኸም ክፍሊ ማሕበር ሰብ ውፉይ ሕይወት መጠን ዚረኽባኦ ጸጋ ኼማስዉሉ ተማሕጸንወን ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመበል 450 ዓመት ዝኽሪ ምስረታ ማሕበረን ንምኽባር ናብ ሮማ ንግደት ንዝገብራ ዘለዋ ኣጐስጢኖሳውያን ደናግል ዘታላቬራ ደ ላ ሬና ትማሊ ሓሙስ ተራኾቦም ኣብ ዝለገሱለን ቃለ ማዕዳን "ቅድስና ወትሩ ዜሐጕስ እዩ።... ካብ ልቢ ዝመነጨ ፍሽኽታ ናይ ሓሶት ዘይኰነስ ቅኑዕን ምሉእን ይኹን።" ክብሉ መዓድወን።

እዘን ካብ ስጳኛ ዝመጻ ኣሓት ደናግል ኣብ እስጳኛ ብርቱዕ ዝናብ ካብ ዝወርደን ንነጀው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ብሰንኪ ምዕልቕላቕ ማይ ልዕሊ 200 ሰባት ተቐማጦ ቫለንሽያ ምእንቲ ዝሞቱ ጸሎቶም ዳግም ኣዕረጉ።

"ኣብዘን መዓልትታት እዚኣተን ብምኽንያት እቲ ኣብ ቫለንሽያ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ናብ ስጳኛ ዝቐረብኩ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ" በሉ።

ክርስትያናዊ ሓጐስ ምንባር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ገዳምዊ ውፉይ ሕይወት ብምስትንታን ነተን ደናግል "ኣብ ሕይወት ጸሎት መምህራን" ብምዃን ኣብነት መንፈሳዊ ህይወት ክህባ ጻውዒት ኣቕረቡለን።

"ኣብያተ ትምህርትኽን ካብቲ ንቘልዑን ህጻናትን እተመሓላልፋኦ ፍልጠት ሓደ ኻብቲ ምስ ኣምላኽ ናይ ምዝራብ ንዕኡ ናይ ምስማዕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ህላወኡ ናይ ምስትንትና ትምህርቲ ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ንዘስተንፈሰሉ ነገራት ብህድኣት ናይ ምቕባል ክእለት ከተጉልሓ ተስፋ እገብር" በልወን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ንዅሎም እቶም ሰብ ውፉይ ሕይወት ካህናትውን ሓጐሶም ወይ ፍሽኽታኦም ከየጥፍኡ ዓደምዎም።

"ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ወትሩ ንቑሓት ዝገብር ሕጉስ ባህሪ ክልምኑ" ከም ዝለዎም ብምጥቃስ "ክደግሞ፦ ሓደ ሕዙን ቅዱስ ዜሕዝን ዓይነት ቅዱስ እዩ፣" ክብሉ ኣጠንቐቕዎም።

ሰብ ውፉይ ሕይወት ከም ቅዱስ ፊሊፕ ኔሪ ዝኣመሰለ ሕጉሳትን ተዋዘይትን ወይ ፍሽኽታ ዘለዎ ሕዙእ ዓይነት ሓጐስ ክህልዎም ከም ዘለዎም ብምግላጽ ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ ።

ንጸጋ ሰብ ውፉይ ሕይወት ምምስጋን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣንስትን ሰብኡትን ንኻልኦት ዜድልዮም ነገራት ከምኡውን ነቲ ኸም ክፍሊ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ መጠን ዝረኽብዎ ተዛማዲ ድሕንነትን ምጽንናዕን ወትሩ ኺዝክርዎ ኣለዎም ።

"ሓደ ሰብ ካብ መጠን ንላዕሊ ስራሕ ብምህላዉ ምስ ዘማርር ብዛዕባ እቶም ዘይብሎም ይሓስብ" በሉ። "ሓደ ሰብ ናብ ማሕበር ደናግል ወይ ቁምስና ኪኣቱ ኸሎ ኵሉ ኸም እተዳለወሎም ኪዝክሩ ኣለዎም።"

ውርጪ ኣብ ዝበዝሖ ወይ ዝናም ኣብ ዝዘንመሉ መዓልትታት ኣብ ደገ ኣብ ዝረኸብዎ ዝዀነ ይኹን ነገር ከቢድ ድቃስ ዝድቅሱ ሰባት ከም ዘለዉ ክዝክሩ ኣለዎም።

ቅዱስ ቶማስ ሞር ንፉዕ ተዋዛያይ ንክኸውን ዝጸለዮ ጸሎት

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነተን ስጳኛውያን ኣሓት ኦጐስጢኖሳውያን ነቲ ቅዱስ ቶማስ ሞር ዘቕረቦ ጸሎት ክዝክራን መዓልታዊ ኺደግማኦን ዓደምወን ።

ጐይታይ ጥዑም ምሕቃቕ ምግብን ዜሕቅቖ ነገርን ሃበኒ።
ጥዑይ ኣካል ሃበኒ ንኽዕቅቦ ድማ ኣድላዪ ዝዀነ ጽቡቕ ዋዛ ሃበኒ ።
ንዅሉ ጽቡቕን ክፉእን ብቐሊሉ ዘይትፈርህ የግዳስ ንነገራት ናብ ቦታኡ እትመልሰሉ መገዲ እትረክብ ተራ ዝኾነት ነፍሲ ሃበኒ።
ብዘይምስልካይ ምጕርምራም እህህታ ቁዘመና ወይ ብዙሕ ውጥረት ዘይትፈልጥ ነፍሲ ሃበኒ።
ኦ ጐይታይ ባህሪ ተዋዛይነት ሃበኒ።
ኣብ ህይወተይ እተወሰነ ሓጐስ ምእንቲ ኽረክብን ንኻልኦት ምእንቲ ኸካፍሎምን ተዋዛያይ ክኸውን ፍቐደለይ።

08 November 2024, 15:44