ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት ሓዳስ ጳጳሳዊ ኮሚቴ ፈጢሮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ኣጠማምታ ቆልዑ፡ መብዛሕቲኡ በጽሕን ዓበይትን ወለዶ ክርድእዎ ዘይክእሉ ናይ ምድናቕን ንመለኮታዊ ምስጢር ክፉት ናይ ምዃን ኣጠማምታ እዩ”
እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዕለት 20 ሕዳር ዝተዘርግሐ ዛዕባ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ሽማግለ ንኽቐውም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ብኢድ ኣብ ዝጸሓፍዎ ናይ ውሳኔ ሰነድ ገሊጾም፥ ነቲ ሓድሽ ጳጳሳዊት ሽማግለ “ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት ንምልላይን ምውዳብን ምንቕቓሕን” ዝብል ተልእኾ ብሓላፍነት ከም ዝሃብዎን፡ ናይዚ ሓድሽን ንፈለማ ግዜ ዝቖመ ጳጳሳዊ ሽማግለ ብኣቦ መንበርነት ኣባ ኤንዞ ፎርቱናቶም ዝምራሕ ክኸውን ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ክርስትያን ከም ቆልዑ ክኾኑ ዝተጸውዑ እዮም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ማሕበራዊ ደረጃ ህጻናት ኣዝዩ ከምዝተቐየረ ኣመልኪቶም፥
“ኣብ እዋን ኢየሱስ፡ ቈልዑ ልዑል ኣኽብሮት ኣይነበሮምን . . . ገና ምሉእ ሰብ ዘይኮኑ" ተባሂሎም ይሕሰቡ ከም ዝነበሩን ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምግላጽ ዘተኮሩ ብዝነበሩ ራባያት - መምሃራን ሃይማኖት ኣይሁድ ከይተረፉ ከም ዕንቅፋት ይረኣዩ ነይሮም” . . . ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኢየሱስ ብምግልባጥ ንገዛእ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘቕረቡሉ ሕጻና እናመለክተ፥ ናብ ህይወት ሕጻን ክመስሉ ይዕድሞም . . . ቅዱስ ኣቦና “ደቀ መዛሙርቲ ብተኣማንነትን ብእምንቶ ገዛእ ርእስኻ ምሕዳግን ምግራምን ክዓብዩ ተጸዊዖም እዮም፣ እዚ ባህርያት እዚ መብዛሕቲኡ ግዜ መንፈስ እርጋንን ተስፋ ምቑራጽን ዘጥፍእ እዩ . . . ህጻናት ብደም ክርስቶስ ስለ ዝተበጀዉ፡ ንሳቶም እውን ኣብዚ ሕጂ ዘለውዎ ደረጃ ሕይወት ባህርያዊ ዋጋን ክብርን ኣለዎም፡ እዚ ኣብ መጻኢ ምስ ዓበዩ ንቤተክርስትያንን ሕብረተሰብን እንታይ ኣበርክቶ ስለ ዝህልዎም ጥራይ ኣይኮነን” ይብሉ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ስድራቤት ቤተ - ክርስትያን ከምኡ እውን መንግስቲ ንቘልዑ ኣብ ማእከል ክግበሩ ደኣ እምበር ኣብ ወሰን ክገብርዎም ኣይተጸውዑን፥ "ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ዝውለድ ኣትሒዙ ዘይግለጽ ዘይገሃስ ከምኡውን ኵላዊ መሰላት ዘለዎም እዮም” ይብሉ።
ንቘልዑ ምክንኻን 'ግዴታን መግለጺ ፍቕርን እዩ'
ኣስዒቦም፥ ቤተ ክርስቲያን ንመሰል ሕጻናት ምክልኻልን ምክንኻንን ከም ግቡኣን ከም መግለጺ ፍቕርን ምዃኑ ድምጺ ክትኮኖም ተገልግል . . . ቈልዑ ምእንቲ እምነት ከሕደሩ ብኣዴታቶም ኣቦታቶም ከምኡውን ስድራቤቶም ኣፍልጦ ክወሃቦምን ክቕበልዎምን ክርድእዎምን ዝጠልብ መሰል ከም ዘለዎም ኣመላኺቶ፥ ምስ ወለዶም ዚነብሩ ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ መንነቶም ንምፍላጥ ስምን ስድራ ቤትን ዜግነትን ክህልዎም ኣብ ናብሮኦምን ትምህርቶምን ውሕስነት ክስምዖም ይግባእ . . . ዓለማዊ መዓልቲ ህጻናት ንህጻናት ኣብ ማእከል ጉስነታዊ ተግባር ቤተ ክርስቲያን ንምቕማጥን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ሃገረ ስብከታት ኣገዳስነት ህጻናት ብምግንዛብ ንምጥርናፍ ዕድል ዝህብ ምዃኑ እውን ከም ዘብርሁን ብተወሳኺ እዚ ዓለምለኸ መዓልቲ ንህጻናት “ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ፈቓርን ሕያዋይ ጓሳን ብዘለዎ ተራ ክፈልጥዎን ከፍቅሩን ከገልግሉን ከምኡ’ውን እምነቶም ኣብ ትውፊት ናይቶም ቤተ ክርስቲያን ከም መንፈሳዊ ውርሻ ኣኽቢራ እትርእዮም ቅዱሳን ሕጻናት ሱር ክሰዱ” ዝሕግዝ ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቀዳምነት ጉስነት ንህጻናት
ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም እቲ ንመዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ህጻናት ዚምልከት ጳጳሳዊ ሽማግለ፥ እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት ዝተነጸለ ፍጻሜ ኮይኑ ከይረአ እውን ዝሕግዝ ከም ዝኾነን፡ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ቘልዑ "ጉስነት ምክንኻን ቆልዑ ኣብ ወንጌላውን ስነ ምምህርናን ዝያዳ ቐዳምነት ከም ዝወሃቦ" ንምርግጋጽ ቀጻሊ ጻዕርታት ዘሳልጥ እውን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።