2024.11.21 Partecipanti alla Plenaria del Dicastero per la Cultura e l'Educazione 2024.11.21 Partecipanti alla Plenaria del Dicastero per la Cultura e l'Educazione  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ ትምህርቲ ዘይምህላው ንቘልዑ መጻኢኦም ዝሰርቕ ባህላዊ ጽንተት እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ዓመታዊ ጠቕላሊ ጉባኤ ናይቲ ብዛዕባ ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ነቶም ኣስታት 250 ሚልዮን ዝዀኑ ዕድል ትምህርቲ ዘይረኸቡ ቘልዑ ንምሕጋዝ "ስነ-ምግባር ግዴታ ኸም ዘለዎም" ኣመልከቱሎም።

ኣባ ተልወደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሓደ ኻብቲ ካብቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ብዛዕባ ጉዳያት ባህል ትምህርትን ዝሓሊ ሓድሽ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ጠቕላሊ ጉባኤ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተራኺቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሰነ 2022 ነቲ ብዛዕባ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረን ነቲ ጳጳሳዊ ቤትምኽቲ ጉዳያት ባህሊ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረን ብምጥማር ነዚ ናይ ቅድስቲ መነበር ብዛዕባ ጉዳያት ባህል ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት መስረትዎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ስጕምቲ እዚ "ንኽልቲኡ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ንምዝታይን ንምህናጽን ከምኡውን ሓድሽ ምህዞ ንምግባር ዘለዎ ተኽእሎ ንምፍጻም" ጻዕሪ ገበሩ።

ኣገዳስነት ተልእኾ እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ብምግላጽ ቅዱስነቶም መደረኦም ጀመሩ፣ ውጽኢት ጥራይ ዘምጽእ ትምህርታዊ ቅዲ ከይፍጠር ድማ ኣጠንቀቐ ።

"ዓለምና ከም ሓደ ማሽን ብባዕሉ ዝንቀሳቐስ ተቕዋም ኣየድልያን እዩ" በሉ። ሓደስቲ ኣወሃሃድትን ሓደስቲ ተንተንቲ ናይቲ ሃብታም ሰብኣዊ ማእከናትና ከምኡ ውን ሓደስቲ ሕብረተሰብኣዊ ገጠምቲ የድልዩ እዮም" በሉ።

ብሓቂ እንታይ ኢና 'እንጽበ ዘሎና?'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደረኦም ኣባላት እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ንኣሳልጦ ወይ ንዕቤት ከም ናይ መወዳእታ ሸቶ ኣብ ክንዲ ዚገብሩ "ካልእ ፍሉይ ነገር  ክበሩ" ኣለዎም ክብሉ ሓደ ብድሆ ኣቕረቡሎም።

ስእሊ እዚ ሓሳብ እዚ ንምስኣል ካብቲ ኤሚሊ ዲኪንሰን ዝጸሓፎ ግጥሚ #323 ጠቐሱ -

ከምቲ ሓባራዊ ምጽዋት ከም ዝሓተትኩ፡
ከምቲ ኣብ ሃሰስ ዝብል ኢደይ ዘሎ፡

ሓደ ጋሻ ንመንግስቲ ጸቕጢ ከም ዝገበረላ

ኣነ ውን ደንጽዩኒ ከምቲ ንምቲ ንምብራቕ ከም ዝሓትት፡

ይወግሓለይ ዶ ይኸውን ከምኡ ውን

ነቲ ጽልግልግ ዝበለ መንደቕ ይኣልየለይ ዶ ኸውን
ብብርሃን ይሽፍነኒ ዶ ኾን!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ግጥሚ ነቲ ኣብ ትምህርትን ባህልን ዘለዎም ተልእኾ "ንኻልኦት ሰባት ሓሳባቶም ኬስፍሑ ውሽጣዊ ሓይሊ ክምልኡ ንሓደስቲ ኣጋጣሚታት ቦታ ክረኽቡ ከምኡውን ነቲ እተቐበልዎ ውህበታት ንኻልኦት ኬካፍልዎም ጻውዒት ከቕርቡሎም" ከም ዚኽእሉ ገለጹ።

ንኽንፈርህ ምኽንያት የብልናን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸሰኮ ነቶም ጕጅለ ኸይፈርሁ ኣተባብዕዎም ። ክርስቶስ ከም መራሒኦምን ብጻዮምን መጠን  "ሓለውቲ ባህላውን ትምህርታዊ ውርሻን" ኢኹም በልዎም።

ፍልስፍናውን ሥነ-መለኮታትውን፣ ግጥምን ከምኡ ውን ስነ-ፍልጠታዊ ድሕረ-ባይታን ኻብቲ እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ከም በዓል ቅዱስ ኣጐስጢኖስን ሞዛርትን፣ ከም ማርክ ሮትኮን ብሌዝ ፓስካልን ዝገበርዎ ዕዮን መጽናዕትን እዩ መጺኡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣባላት እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት "ብዛዕባ ተስፋ ኣይትረስዑ" ዚብል ምሕስንታ ናብ ኵሉ ከብጽሑ ሓላፍነት ሃብዎም።

እንተዀነ ግን ካብ ቃላት ንላዕሊ እጅገኦም ዓጺፎም ኣብ ስራሕ ክጽመዱ ኣተባብዕዎም ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተሳተፍቲ ጠቕላሊ ምልኣተ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ ምንበር ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተሳተፍቲ ጠቕላሊ ምልኣተ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ ምንበር ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት

ባህላዊ ጽንተትን ትምህርትን

"ሎሚ ዓለም ኣብ ታሪኽ እቲ ዝለዓለ ቝጽሪ ተማሃሮ ኣለዋ" በሉ ቅዱስነቶም። ይኹን እምበር ኣስታት 250 ሚልዮን ቈልዑን መንእሰያትን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኺመሃሩ ዕድል ኣይረኸቡን ዘለዉ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ ነዚ ዘይፍትሓዊ ተግባር እዚ ኰነንዎ ።

ከምዚ ድማ በሉ - "ንቘልዑ ከምቲ ክዀንዎ ዘለውዎም ንክዀኑ ዘድልዮም ኵነታት ብዘይምሃብና ንመጻኢኦም ክንሰርቖም ከሎና ባህላዊ ጽንሰት ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተራእየ ስነ-ፍልጠታዊ ምዕባለታትን ተክኖሎጅያዊ ምህዞታትን ብምጽናዕ ነቲ "ጥቕምን ሓደጋታትን" ክርድእዎ ሓደ ብድሆ ብምቕራብ መደረኦም ዛዘሙ።

22 November 2024, 16:44