ድለ

2024.11.20 Udienza Generale 2024.11.20 Udienza Generale  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ ውህበታት ሓድነትን ኣገልግሎትን ህያውብ መንፍስ ቅዱስ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ተኸታታሊ ትምህርታቶም ብምቕጻል፣ ብዛዕባ እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሓድነትን ኣገልግሎትን ንምሃብ ከም ኣድላዪ መሳርሒ ገይሩ ዘቕረቦ እተፈላለየ ውህበታት ኣጉልሑ፣ ነቲ ሓባራዊ ረብሓን ሱር ዝሰደደን ኣብ ፍቕሪ ዘለዎ ዕላማን ድማ ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብርህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ "እቲ መንፈስን እታ መርዓትን" ዘርእስቱ ተኸታታትሊ ትምህርትታቶም ብምቕጻል ኣብዚ ሰሙን እዚ ውን ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናንን መንፈሳውያን በጻሕትን ብዛዕባ እቲ እተፈላለየን ፍሉይ ዝኾነ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ከስተንትኑ ብምዕዳም ኣስተምህሮኦም ጀመሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ካብ መልእኽቲ ቅዱስ ሓውርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ እተወስደ ናይ ዕለቱ ንባብ ቅዱስ መጽሓፍ መሰረት ብምግባር እንከስተንትኑ መንፈስ ቅዱስ ንእተፈላለዩ ሰባት እተፈላለየ ውህበት ከም ዝህቦም ኣጕልሑ ። እንተዀነ ግን ኵላቶም በብዕላምኦም ማለት በቲ ንማሕበረሰብ ዝግበር ኣገልግሎት ከም ዝሓብሩ ገለጹ ። ወሲኾም ድማ እዚ ህያባት እዚ ብሕታዊ መሰል ዘይኰነስ ንቤተ-ክርስትያን ብሓፈሻ ንህጸት ቤተክርስትያን ተባሂሉ እተዋህበ መዝገብ ምዃኑ ገለጹ።

ውህበት ንኻልኦት

ኣስዒቦም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ንውህበታት መንፈስ ቅዱስ ዝገልጹ ኽልተ ቐንዲ ረቛሒታት ኣጕልሑ ። ቀዳማይ ንብሕታዊ ቕድስና ጥራይ ዘይኰነስ ንህንጸት ቤተ-ክርስትያን ተባሂሉ "ንሓባራዊ ረብሓ" ኸም ዝወሃብ ገለጹ። ካልኣይ ከም ፍቓድ መንፈስ ቅዱስ ንውልቀ-ሰባት ብፍሉይ መገዲ ንምዝርጋሕን ምስ ውልቀ-ሰባት ውን ዝሰማማዕን ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ኻብቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ መንጎ እቶም ምእመናን ካብ ምዕዳል ምስጢራትን ምንፈሳውያን ሓይላትን  ዚፍለ እዩ። "ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ንመርዓት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስቲያን ዝያዳ ጽብቕቲ ንምግባር ዝወሃባ ስልማት ኢዩ" በሉ።

ንግደ ደቂ ኣንስትዮ ዘነቓቕሕ ውህበታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምንፈሳውያን ውህበታት ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል ንምእመናን ብፍላይ ከኣ ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ምንቅቓሕ ተግባር "ከም ተቕዋማዊ ዀነ ማሕበራዊ ሓቂ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍን ስፍሓት መንፈሳውነትን እውን ከም ዝርአ" ብኸመይ ከም ዝግለጽ ኣጕልሑ ።  "ምእመናን ተሓጋገስቲ ወይ ተሓባበርቲ ወተሃደራት ካህናት ጥራይ ዘይኰኑስ ናይ ገዛእ ርእሶም ውህበትን ተልእኾን እውን ኣለዎም" ብምባል ውን ኣስመሩሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘቕረብዎ ሓሳባት ኣብ መደምደምታ ኣስተምህሮኦም ሓደ ግጉይ ዝኾነ ሓሳት ብዛዕባ ውህበታት ዝለኦ ከነጽሩ ከም ዝደልዩ ገለጹ፦ "ብዙሓት ክርስትያን ብዛዕባ ውህበታት መንፈው ቅዱስ ኽሰምዑ ኸለዉ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይብሎም ስለ ዝስምዖም ጓህን ተስፋ ቑርጸትን የጋጥሞም ኢዩ" ብምባል ኣፍልጦ ሃቡሉ፣ ከምኡውን እተገለሉ ወይ ካልኣይ ደረጃ ዝኾኑ ክርስትያን ኮይኑ ከም ዝስምዖም ኣመልከቱ።

ተግባር መንፈስ ብሓድነትን ኣብ ብፍቕርን ሓድነትን

እንተዀነ ግን ውህበታት ኣብ ፍልይ ዝበለ ወይ መስተንክር መግለጺታት ጥራይ እተሓጽረ ዘይኰነስ ብፍቕርን መንፈስን ክድረኽ ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ሓለፍ ዝበለ ዋጋ ዘለዎ ህያብ ምዃኑ ውን ኣነጸሩ። ነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ውህበት ዘይብሎም ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት ነዚ ከወግድዎ ከም ዝለዎም መዓድዎም ። ካብ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብምጥቅስ ድማ ከምዚ በለ - "ተፍቅሩ እንተድኣ ዄንኩም ኣለኒ እትብልዎ ወላ ሓንቲ ነገር የብልኩም። ፍቕሪ ንናይ ንውህበታት ተኻእብት፣ ንውህበት ናይ ሓደ ሰብ ናይ ኵሉ ናይ ኩሉ ከም ዝኸውን ትገብር።"

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንፍቕሪ ከመ "ዝያዳ ብሉጽ ዝኾነ መገዲ " ብምባል ገለጽዎ፣ እዚ ድማ ኵሉ ናይ ፍቕሪ ተግባር ኣብ ውሽጢ ሓድነት ቤተ - ክርስትያን ንኽካፈል ዘኽእል ኢዩ። "ልግሲ ንቤተ-ክርስትያን ከም ዘፍቅራ እዩ ዚገብረኒ፣ ኣብ ሓድነት ድማ ኩሉ እቲ ናተይ ዝዀነ ውህበታት ከአ ንኹሉ ዝኸውን ኢዩ ዝኸውን" ብምባል ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ ።

20 November 2024, 14:58