ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ተስፋ ንነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ህያብን ሓላፍነትን እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ተስፋ ንነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ህያብን ሓላፍነትን እዩ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ተስፋ ንነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ህያብን ሓላፍነትን እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተስፋ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበ ውህበትን ኩሎም ክርስቲያን ክልምዕዎ ዘለዎም ዕማምን ምዃኑ ኣብ ዝጸሓፍዎ መቕድም ናይታ ዝተፈላለየ መደረታት ዛዕባ ስነ - መለኮታዊ ጽቡቕ ባህሪ ተስፋ እተጠቓልል "ተስፋ ኣብ ለይቲ ብርሃን እያ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተሓትመ ሓዳስ መጽሓፎም የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. “ነጋድያን ተስፋ” ንዝብል መርሕ ቃል ክውፍይ ዝደለኹ፡ ነዚ መሰረታውን ወሳንን ክርስትያናዊ ጽቡቕ ባህሪ ንምስትንታን ዝምችእ ኣጋጣሚ ክኸውን እዩ - ብፍላይ ኣብ እንነብረሉ ዘለና እዋን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዝግንፍል ዘሎ ዝተገማመዐ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ኩናት ዓለም ናብ ተስፋ ምቑራጽን ፋሉላዊ ኣረኣእያን ክህልወና ዝድርኽ ብምዃኑ እዩ።

ብኣንጻሩ ተስፋ ንነፍሲ ​​ወከፍ ክርስትያን ህያብን ዕማምን እዩ። ዝጽግወና ድማ እግዚኣብሔር ስለዝኾነ ህያብ እዩ። ተስፋ ምግባር፡ ብሓቂ፡ ከምቲ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ናይ መንበረ ጥበብ ፈተና ክንሓልፍ ተስፋ ንገብር . . . “ክዕወት እየ ኣብ ዝብል ስምዒት ተስፋ ንገብር” ወይ ድማ . . . ጽቡቕ ኩነታት ኣየር ክህሉ ተስፋ ንግበር”። ተስፋ ግን ከምኡ ኣይኮነን . . . ተስፋ ምግባር ድሮ ዝተዋህበና ድራኼ ንትጽቢት እዩ፡ ማለት ድሕነት ኣብ ዘለኣለማውን ደረት ኣልቦን ፍቕሪ ኣምላኽ። እቲ ፍቕሪ፡ እቲ ንህይወትና መኣዛ ዝህብን ዓለም ደው እትብለሉ መላግቦ ዝፈጥርን ድሕነት፡ ምስቲ ኩሉ ከም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብሓጢኣትና ዝመጽእ ክፍኣትን ጽዩፍነትን። ተስፋ ምግባር እምበኣር ነዚ ኣምላኽ መዓልታዊ ዘቕርበልና ህያብ ብሓጎስ ምቕባል እዩ። ተስፋ ምግባር ማለት ኣብቲ ዘይሓልፍ ሰማያቱ ንርእሱ ዘይዓጸወ ግን ከኣ ገዛእ ርእሱ ስጋን ደምን ታሪኽን መዓልትን ገይሩ ዕጫና ክካፈል ንዝመጸ ኣምላኽ ምቕባል ማለት እዩ።

ተስፋ እውን ክርስትያን ምእንቲ ኩሎም ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ክልምዕዎን ብጽቡቕ ክጥቀሙሉን ሓላፍነታዊ ዕማም እዩ። እቲ ዕማም ከምቲ ማድሊን ደልብሬል ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝነበረት ፈረንሳዊት ብግቡእ ዝጠቐሰቶ፡ ወንጌል ናብቲ እምነት ክርስትና ዘልግስ ዝነበረ ኣብ መፋርቕ ክፍለ ዘመን ዝነበረ መልክዓ ምድራውን ህላወኣውን ፓሪስ ዳግም ከተምጽእ ዝኸኣለት፡ ነቲ ዝተቐበልካዮ ህያብ እሙን ምዃን ማለት እዩ። ማድሊን ደልብሬል፥ "ክርስትያናዊ ተስፋ ዝህበና ቦታ እቲ ጸቢብ ኮንዶኾን ማለት እቲ ጽዋዕታና ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልትን ሰዓትን ነቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ተኣማንነት እሙናት ክንከውን ክንመርጽ ዝደልየና ዶብ ኢዩ" ከም ዝበለቶ፥ እግዚኣብሔር እሙን እዩ፤ ዕማምና ነዚ ተኣማንነት ምላሽ ምሃብ እዩ። . . . ነዚ ተኣማንነት እዚ እነርእዮ ንሕና ኣይኰንናን፣ በቲ ኣብ ልብና ዘነቓቕሕ እስትንፋስ ኰይኑ ዝዓዪ መንፈስ ቅዱስ ክንቅረጽ እንተድኣ ፈቒድናሉ ኣባና ዝዓዪ ውህበት ኣምላኽ ኢዩ . . . ስለዚ "ጐይታይ ኣብ ተስፋ እሙን ክኸውን ፍቐደለይ" ዝብል ውህበት ምሕታት ወይ ምልማን ኣባና እዩ።

ተስፋ ምግባር ውህበት ኣምላኽን ንክርስትያን ጸዋዕታን እዩ፡ ተስፋ ንምንባር ድማ ከምቲ ዓቢ ናይ ቲዮሎጊያ ምሁር ዮሃን - ባፕቲስት ሜትዝ ዝበሎ፥ “ምሱጣዊ ኽፉት ኣዒንቲ” ይሓትት: ኣብ ኩሉ ቦታ መርትዖ ተስፋ ከመይ ጌርካ ከም እተለሊ ምፍላጥ: ቅድሚ ገለ እዋን ምስ ክልተ ፍሉያት መሰኻኽር ተስፋ፡ ክልተ ኣቦታት፡ ሓደ እስራኤላዊ፡ ራሚ ዝስሙን፤ ሓደ ፍልስጤማዊ ባሳም ዝስሙ፥ ክልቲአን በቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዓሰርተታታ ዓመታት ዘድምይ ዘሎ ግጭት ክልተ ኣዋልድ ደቆም ዝሰኣኑ፡ ግን ብስም ቃንዛኦም፡ ብሞት ክልተ ንኣሽቱ ኣዋልድ ደቆም- ስማዳርን ኣብርን - ዝተሰምዖም መከራ፡ ኣዕሩኽ ዝኾኑ፡ ብሓቂ ኣሕዋት ኮይኖም ኣለዉ: ይቕሬታን ዕርቅን ከም ጭቡጥ፡ ትንቢታውን ሓቀይናን ምልክት ይነብሩ። ምስኦም ምርኻበይ ኣዝዩ ብዙሕ ተስፋ ሂቡኒ። ዕርክነቶምን ሕውነቶምን ጽልኢ፡ ብጭቡጥ፡ ናይ መወዳእታ ቃል ከም ዘይኮነ ምሂሩኒ። እቲ ብውልቀ - ሰባት ዝረኸብዎ ዕርቂ ማለት ዝሰፍሐን ዓሚቝን ዕርቂ ዝገልጽ ትንቢት ዘይስዓር ምልክት ተስፋ ኢዩ። ተስፋ ኸኣ ክንግምቶ ዘይንኽእል ኣረኣእያ ንኺህልወና የርህወና።

ንነፍሲ ወከፍ ኣንባቢ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ቐሊል ግን ከኣ ጭቡጥ ልምምድ ክገብር እዕድሞ - ምሸት ቅድሚ ምድቃስና ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመና ፍጻመታትን ዘጓነፈና ነገራትን ምልስ ኢለ ኽሓስብ እሞ ኣብታ ዝሓለፈት መዓልቲ ምልክት ተስፋ ምንዳይ። ከምቲ ቻርለስ ፔጒይ ዝጸሓፎ ሓደ ሰብ ትጽቢት ዘይገበረሉ ፍሽኽታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካብ ሓደ ብጻዩ ምርኣይ፡ ኣብ ስራሕ ዝርአ ሕያውነት ዝመልኦ ጭቡጥ ናይ ሓገዝ ምልክት አረ ንእሽቶ እውን ዝኾነ ተስፋ፥ ብሓቂ ድማ ተስፋ “ከም ህጻን ምዃን" ይሓትት፡። ከም ቈልዑ ብድንቂ ምስ ዓለም ክንራኽን ኽንፈልጣን ከነስተማስዋን ናብ ዝብል ኩነት ክንምለስ ይግባእ። ተስፋ ንኸነለሊ ገዛእ ርእስና ንዓልም። ድሕሪኡ በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሰናይ ነገራት ክንድነቕ ኢና። ልብና ድማ ብተስፋ ኺበርህ እዩ። ድሕሪኡ ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ናይ መጻኢ ፋና ብርሃን ክንኰኖም ንኽእል ኢና፥ እክብሉ ዝጸሓፍዎ መቕድም ይዛዝሙ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

06 November 2024, 15:52