2024.11.17 Giornata mondiale dei Poveri - Pranzo con i Poveri 2024.11.17 Giornata mondiale dei Poveri - Pranzo con i Poveri  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ን1,300 ዝዀኑ ድኻታት ከተማ ሮማ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ምሳሕ እንግዶት ገይሮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ድኻታት ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ፍሉይ ምሳሕ ዕንግዶት ብምክያድ ን1,300 ድኻታት ናብ ሃገረ ቫቲካን ብሓጐስ ተቐቢሎም። ንዅሎም እቶም ነዚ ንምግባር ዝሓገዙን፣ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከቡ ሰበኻታትን ቍምስናታን ምስቶም መሳኪን ናይ ሓድነት ተበግሶ ንኽገብሩ ዝሓገዝዎም ሰባት ንዅሎም ኣመስገንዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ እዋን ምሳሕ ነቶም ምስቶም ካብ ከባቢታት እታ ኸተማ ንሓገዝ ምስ ዘድልዮም 1,300 ዝዀኑ ሰባት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተረኺቦም፣ ንዅሎም እቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ሰበኻታትን ቍምስናታን ንዝርከቡ ምስቶም ኣዝዮም ጽጉማት ናይ ሓድነት ተበግሶ ዝወሰዱ ሰባት ዘለዎም ምስጋና ገለጹሎም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ን1,300 ኣጋይሽ ተቐቢሎም ዝኣንገዱሉ ፍሉይ ምሳሕ ብማሕበር ቐይሕ መስቀል ኢጣልያን ምስ 340 ዝዀኑ ወለንተኛታት ዝተቐረበ ኢዩ ዝነበረ።

ኣብ እዋን ምሳሕ ቀቅድሚ ምጅማሮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እዛ ሰንበት እዚኣ 17 ሕዳር መዓልቲ ድኻታት ከም እተዘክር ኣብዛ ዓመት እዚኣ ድማ "ጸሎት ድኻታት ናብ ኣምላኽ ይዓርግ" ዝብል ኣርእስቲ ከም ዘለዎ ዘከሩ። ኵላትና ንርእስና ኸምዚ ዝስዕብ ኢልና ኽንሓትት ከም እንኽእል ድማ ኣዘኻኸሩ - "ንድኻታት ክህቦም ግለነገር እኳ ዘይብለይ እኸይድ ደየ? ምጽዋት ኽህብ ከለኹ ኢድ እቲ ድኻ ተንክየ የዒንቱ ጠሚተ ድየ ዝህቦ? ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድኻታት ክጽበዩና ኸም ዘይክእሉ ኣይንረስዕ!" በሉ።

ጽባቐ ተራ ተግባረ ምሕረት

እቶም ነዚ እንግዶት ዝወደቡ ናይ ጳጳዊ ቤተ ምጽዋት ገበዝን ናይቲ ብዛዕባ ግብረ ሰናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራጀቭስኪ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ዓመታዊ መንፈሳዊ ተግባር እዚ ምድጋም ስለምንታይ ከም ዘይደክሙ ንመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን እንክገልጹ፡ እዚ ድማ ንኣብነት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንምሳአብን፣ “ኣብ ሰባት ክብሪ ዳግም ንምምላስ” ከም ዝኾነ ኣመልከቱ ። ኣቦ መንበር ማሕበር ናይ ሓደ ንብዙሓት ሰባት ዜድልዮም ነገራትን ግድነታቶም ንምምላእ በብመዓልቱ ፍርያት ምግቢ ዚዝርግሕ ማሕበር ዝኾነ ሮዛርዮ ቫላስትሮ እቲ ኣብ ቀሊል ነገራትን ንኣሽቱ ተግባራትን ዚርከብ ጽባቐ ዘለዎ ረብሓ ኣጕልሑ ። ኣብ ሕድጋት ሕብረተሰብ በይኖም ኪነብሩ ኸለዉ ብዓይንና ኸም ዘይንርዮም ወይ ሰብኣዊ ኽብረቶም ከም ዝጐድሎም ኣይገብርን ኢዩ" በለ።

ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ማእከል ጥዕና ኣደ ምሕረት

ሎሚ እውን እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝገበሮ ጻዕርታት መዛዘሚ ዀይኑ ኣሎ፣ እዚ ጻዕርታት እዚ ኸኣ ነቶም ስኡናት ዝተፈላለየ ናይ ግብረ - ሰናይ ተበግሶታት ከም ዘድልዮም ገበረ፣ ገለ ኻብዚ ድማ ምስ ሰበኻታት ብምርኻብ ነቶም ስኡናት ስድራቤታት ዝኸውን ወጻኢታት ምኽፋል ኢዩ ። እዚ ተበግሶ እዚ በቲ ኣብ ኢጣልያ ዝርከብ ዩኒፖልሳይ ዝበሃል ኩባንያ መድሕን ዘርኣዮ ልግሲ ኢዩ ተኻይዱ። ማሲሞ ራሊ ኣመሓዳሪ ናይቲ ማእከል ኣገልግሎት ጥዕና ኣደ ምሕረት፣ ነቶም ትማሊ ምሸት ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ዝነብሩ ንምድጋፍ ምስቲ ብዛዕባ ጉዳያት ግበረ ሠናይ ኣገልግሎት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ዝዓዪ እዚ ማእከል ኣገልግሎት ግብረ ሠናይ "ሳላ እቶም ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ዳርጋ 1,000 ዝዀኑ ድኻታት ሓንጐፋይ ኢሎም ንኽቕበሉን ንኽበጽሕዎምን ዘኽኣሎም ብዙሓት ወለንተኛታት ኣለዉ" በለ።

ልዕሊ 5 ሚልዮን ዝዀኑ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ክቱር ድኽነት ዝነብሩ

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኵሎም ማሕበረሰብ ምእመናንን ሰበኻታትን ነቲ ንድኻታት ዜድልዮም ነገራት ኣብ ጐረባብቶም ኣብ ማእከል እቲ ናይ ሓዋርያዊ ጉስነት ንጥፈታቶም ኬቐምጡ ዝቐረበሎም ጻውዒት ምላሽ ሂቦምሉ እዮም። እታ ኣብ ኢጣልያ እትርከብ ካሪታስ ኢጣልያ እትበሃል ሃገራዊ ትካል ካቶሊካዊ ግብረ - ሰናይ መበል 28 ሕታም ጸብጻባት ናይታ ኣብ ኢጣልያ እትሕተም ድኽነትን ማሕበራዊ ግጭትን ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኣሕቲማ ነበረት ። መልሲ ተስፋ "ክፍሊ ናይቲ ኣብ ኢጣልያ ኣብ እተገብረ ናይ መጀመርታ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብያተ-ክርስትያን ኰይኑ ብዕለት 17 ሕዳር ኣብቲ ኣብ ወጻኢ መንደቕ ርማ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ተዓጽወ። ሎሚ ኣብ ኢጣልያ 9.7 ሚእታዊት ህዝቢ ኣብ ድኽነት ኢዩ ዝነብር፣ ዳርጋ ሓደ ኻብ ዓሰርተ ኸኣ ኢዩ ። ብድምር 5 ሚልዮን 694 ሽሕ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ክቱር ድኽነት ኢዮም ዝነብሩ፣ እዚ ኸኣ ብድምር ልዕሊ 2 ሚልዮን 217 ሽሕ ስድራቤታት (8.4 ሚእታዊት ናይተን ስድራቤታት) ኢዩ። እዚ ኣሃዝ እዚ ብደረጃ ስድራቤት ካብ 2022 ቍሩብ ዝዛይድ ከምኡውን ብደረጃ ውልቀ - ሰብ ጽኑዕ ኰይኑ ኣብ ታሪኻዊ ኣንፈት እቲ ዝለዓለ ኢዩ፣ እናነከየ ይኸይድ ከም ዘሎ ዝሕብር ምልክታት እውን ኣይሕብርን ኢዩ ።

19 November 2024, 11:56