2024.11.29 ር.ሊ.ጳ.፥ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንረብሓታት ዕዳጋ ኢልካ ሰብኣዊ ክብረት ዕሽሽ ኪብሃል የብሉን 2024.11.29 ር.ሊ.ጳ.፥ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንረብሓታት ዕዳጋ ኢልካ ሰብኣዊ ክብረት ዕሽሽ ኪብሃል የብሉን  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንረብሓታት ዕዳጋ ኢልካ ሰብኣዊ ክብረት ዕሽሽ ኪብሃል የብሉን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መበል 800 ዓመት ዝኽሪ ኣብ ናፖሊ ናይ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ፈደሪኮ ዳግማዊ ካብ ክፍሊ ሕክምና ስኒ እቲ መንበረ ጥበብ ዝመጺ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ዕለት 29 ሕዳር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም፥ "ዝኾነ ህይወት ክባኽን የብሉን": ቅርበትን ርህራሄን ለውሃትን ዝነብር ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዘማእከለ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክህሉ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሕክምና ንሰብኣዊ ክብሪ ሸለል እንተኢሉ ንረብሓ ዕዳጋን ርየት ዓለምን ሓደጋ ይቃላዕ”፣ ስለዚ “ንዝተቐደሰ ክብሪ ህይወት፣ ኣብ መከራን ሕሰምን ንዝርከብ ህይወት ዘገልግል እዩ ክኸውን ዘለዎ . . . ሓኪም ሕማም ንኽፍውስ እዩ ዝጽዋዕ . . . ዝኾነ ህይወት ክድርበ የብሉን" ከምኡ'ውን እቲ ሰብ "ብምልኣት እምበር ሓደ ክፋል ጥራይ ስለ ዘይኮነ ብቕርበትን ርህራሄን ለውሃትን" ክሕብሕብ ከም ዘለዎ ቅዱሰንቶም ነዚ ዝበሉ ዕለት 29 ሕዳር ብምኽንያት መበል 800 ዓመት ቅዋመ መንበረ ጥበብ ፈደሪኮ ዳግማዊ ሃገራ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንዝተረኽቡ 80 ናይቲ መንበረ ጥበብ ክፍሊ ናይ ስነ ሕክምና ኣባላት  ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዘተሓሳሰቡን

ኣገልግሎት ሕክምና እቲ ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ መንፈስ መግለጺ እዩ፤ ስለዚ ብቕርበትን ርህራሄን ሓልዮት ክወሃብ ኣለዎ ማለት እዩ . . .  

ብስነ ኣሃዝ እተራቀ መጋበርያ ሕክምናን ስነ ምግባርን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ሓኪም "ንየሱስ ኣብ መንጎ ሰባት ኩሉ ዓይነት ሕማማትን ድኻምን ዘሕወየ" ክመስል ከም ዘለዎን ከምኡ’ውን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ሃይማኖት “ነቶም ዝሳቐዩ ሰናይ ኣገልግሎት እተቕርቡ ተሕጐሱ” ዝብል ጠቒሶም፥ ከምኡ'ውን እቲ ኣብ ሕክምና'ውን ብቕልጡፍ ዝምዕብል ዘሎ እደ ጥበብ፡ ብዘይ ስነ-ምግባር ፈጺሙ ክኸውን ከምዘይብሉ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፥

እንተዘይኮይኑ ነቲ ቅዱስ ክብሪ ሰብ ሸለም ክበሃል እዩ ዝገብር፡ ሕክምና ንረብሓ ዕዳጋን ርእየት ዓለምን ሓደጋ ክቃልዑ ከም ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ኣብነታት ጠቒሶም ድሕሪ ምምልካት ሓኪም ህማም ንምፍዋስ እዩ ዝጽዋኦ ኩሉ ግዜ ዝፍውስ ክኸውን! ዝኾነ ህይወት ክድርበ የብሉን። ኩሉ ግዜ ተጠንቀቑ! ንህሙማን ክሳብ መወዳእታ እተሰንዩ ኩኑ! ቢሎም እዚኦም መትከላት "ኩሉ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት እቲ ሰብ ዝውዕል ስነ ምርምር" እያቶም ቢሎም እቲ መበል 800 ዓመት ዘብዕል ዘሎ መንበረ ጥበብ ፈደሪኮ ዳግማዊ ዝህቦ ኣገልግሎት ቀጽሉ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።"

29 November 2024, 17:29