ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናል ፋረል ናይ ቫቲካን ትካል ጡረታን ብድሆታቱን ከመሓድሩ ወሲኖም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናል ፋረል ናይ ቫቲካን ትካል ጡረታን ብድሆታቱን ከመሓድሩ ወሲኖም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናል ፋረል ናይ ቫቲካን ትካል ጡረታን ብድሆታቱን ከመሓድሩ ወሲኖም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 21 ሕዳር መግለጺ ዝሃበሉ መልእኽቲ፥ ቀጻልነት ትካል ጡረታ ንምዕዋት ህጹጽ መዋቕራዊ ስጉምትታት ክውሰድ ከም ዝጸውዑ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንብድሆታት ስርዓተ ጡረታ ቫቲካን ንምፍታሕን ቁጠባዊ ቀጻልነት ቅድስቲ መንበር ንምርግጋጽን “ሓድሽን ዘይተርፍ ናይ ለውጢ መንገዲ” ክግበር ኣብ ዝጽውዕሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ከሰንይዎምን ክድግፍዎምን ይሓቱ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ዕለት 19 ሕዳር ናብ ጉባኤ ካርዲናላትን ህየንተን ኣመሓደርትን ላዕለዎት ኣባያቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር  ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኬቨን ፋረል ፍልዩ በይናዊ ኣመሓዳሪ ትካል ጡረታ ቫቲካን ንኽኾኑ ከም ዝሸመይዎም ኣፍሊጦም ነዚ ውሳኔ እዚ ኸኣ፥ "ነቲ ናይ እስትሕጋግ ስርዓትና ኣብ መጻኢ ዘጋጥሞ ብድሆታት ንምፍታሕ ኣገዳሲ ስጕምቲ" ከም ዘድሊ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ የብርሁ።

ህጹጽ ጉዳይ

ር.ሊ.ጳ. ህጹጽነት ናይቲ ጉዳይ ኣጉሊሖም "እዚ ሕጂ ዝቕልቀል ዘሎ መረዳእታ፡ ድሕሪ'ቲ እቲ ብርእሶም ዚመሓደሩ ናጻ ኽኢላታት ዝገበርዎ ዓሚቝ መጽናዕ፥ ምስ ግዜ እናወሰኸ ዚኸይድ ከቢድ ምምዝባል ከም ዝህሉ ዚሕብር እዩ" ቢሎም፥ እቲ ዘሕዝን  "እዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ነቲ ናይ መጻኢ ወለዶታት ናይ እስትሕጋግ ግዴታታት ኣብ ማእከላይ ግዜ ከም ዝፍጸም ክገብር ኣይክእልን ኢዩ"  ስለዚ ምምሕዳር እቲ ንጡረታ ዚምልከት ትካል ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ማእከላዊ ጉዳይ ናይ እቶም ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኑ ጸኒሑ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቶም ኣብ ግዝኣት ቅዱስቲ መንበረን ሃገረ ቫቲካንን ዚሰርሑ ሰራሕተይናታት ፍትሓውን ምዕሩግን ደሞዝ ናይ ምሃብ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ስለ ዘለዎም እዩ። ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ "ካብ ኩሉ ሰብ ፍሉይ ተሃዋስነት፡ ልግስን ድልውነት ንመስዋእትን ዝሓትት ከበድቲ ውሳነታት" ከም ዝጠልብ እምነቶም ምዃኑ ይሕብሩ።

ቅዱስነቶም ኣብ መሪሕነት ካርዲናል ፋረል ዘለዎም እምነት ክገልጹ እንከለዉ፥ "ንዅሉ መዳያት ተጠንቂቐ ድሕሪ ምምርማረይ ካርዲናል ኬቨን ፋረል ፍሉይ በይናዊ ኣመሓዳሪ ትካል ጡረታ ቫቲካን ንኽኮኑ ኣብቲ ዝወሰድዎ ውሳኔ ይሕብር።

ሓድሽ ምዕራፍ ምጅማር የድሊ

ነቶም ኣቐዲሞም ኣብቲ ጕዳይ ዝሰርሑ ንኢዶም እንተዀነ ግን "ነዚ ርግኣትን ድሕንነትን ማሕበረሰብና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓድሽ ደረጃ ኽጅምሩ" ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም፥ ኣብ መንጎ ኩርያ ሮማናን ምስ ቅድስቲ መንበር ዝተኣሳሰሩ ትካላትን ሓድነትን ምትሕብባርን ክህሉ ጸዊዖም፣ ኩሎም ነቲ ዘድሊ ጽገናታት ብሓባራዊ ራእይ ክቐርብዎ የተሓሳስቡ።

"ሕጂ ኩላትና ንዘላቕነት ትካል ጡረታ ንምዕዋት፡ ድሕሪ ሕጂ ክናዋሕ ዘይክእል ህጹጽ መዋቕራዊ ስጉምትታት ከምዘድሊ ምሉእ ብምሉእ ኣፍልጦ ኣሎና - ቢሎም - ፍትሕን ምዕሩይነትን ኣብ ወለዶታት መሪሕ መትከል ኮይኑ ክቕጽል ኣለዎ” እንክብሉ የስተብህሉ።

ምሕጽንታ ንጸሎትን ደገፍን

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ኣጸጋሚ ናይ ምስግጋር እዋን ጸሎትን ደገፍን ኩሉ ብምሕታት መልእኽቶም እንክዛዝሙ፥ "ነዚ ሓድሽን ዘይተርፍን መገዲ ለውጢ ኣብ ምቅልጣፍ ፍሉይ ምትሕብባር ክትገብሩ ንዅላትኩም እልምነኩም ኣለኹ። ኣብ ደገፍን ሓገዝን ኵሉ ሰብ ብምትእምማን ነዛ ህሞት እዚኣ ብጸሎትኩም ከተሰንይዋ እልምነኩም ኣለኹ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካና ፍሊጡ።

22 November 2024, 16:07