ድለ

2013.03.14 Papa Francesco firma un documento 2013.03.14 Papa Francesco firma un documento 

ር. ሊ. ጳ.፦ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ብናይ ግዜ ቀደም ተኸተል ጥራይ ኪቕየድ ኣይክእልን እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ሓድሽ መጽናዕቲ ኽግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ብሓባራዊ ተሰክሮታን ንዕርቂ ከምኡውን ነዚ ሕጂ ዘሎ ዘመን ብጥበብን ብእምነትን ኣንፈቱ ንምትሓዝ ኣብቶም ቀንድን ጥንታውያን ምንጭታት ዓሚቝ መጽናዕቲ ከም ዘድሊ ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 21 ሕዳር ዘመሓላለፍዋ መልእኽቲ፣ ዘርኣ ክህነታትን ቤተክህነትን ከምኡ ውን ምእመናን ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ግደ ዘለዎ ታሪኽ ኪቕበልዎ ብምምሕጻን ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ዓሚቝ ሕዳሴ ኪግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ታሪኽ ከም ሓባራዊ ተዘክሮ

ኣብ መእኽቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ቤተ-ክርስትያን እተካይዶ መጽናዕቲ ዕለትን ፍጻመታትን ካብ ምዝካር ንላዕሊ ምዃኑ ብምጕላሕ ታሪኽ ሓባራዊ ውርሻ ዘለዎ ኣገዳስነት ገለጹ።

በዚ ኸምዚ ምእመናን ኣብቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንዘመናት ዘሕለፈቶ ተመክሮ እተመስረተ ንጹር ኣረኣእያ ሒዞም፣ ኣብዚ ህሉው ኵነታት እዚ ኣንፈቶም ክፈልጡ ከም ዝኽእሉ ብምግላጽ "ሃልሃልታ ሓባራዊ ሕልና ህያው ምግባር" ምዃኑ ኣስመሩሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ብዛዕባ እቲ ሎሚ ኣብ ባህሊ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኣንፈት ገይሮም ገለጽዎ ባህሊ "ኣፍራስነት" ተዛረቡ።

ሓደ ኻብቲ ንህንጸት ዚምልከት ጕዳይ "ነቲ ደረት ዘይብሉ ኣህላኽነትን ከምኡ ውን መግለጺታትን ባዶነት ውልቀ-ሰባት ንምግላጽ ዚግበር ጻዕሪ እዩ" ክብሉ ጸሓፉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘጠንቀቕዎ እዚ ዝንባሌታት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ "ኣብ ሓንቲ ኢምንቲ ዝኾነት ዓለም ሓይልና ንኸነባኽን፣ ናይ ሓሶት ጸገማት ንኸነልዕልን፣ ናብ ብቑዕ ዘይኮነ ፍታሕ ንኽንጥምትን ዝድርኸና ሓደ ዓይነት ዑረት" ኢዩ ዝመስል በሉ።

ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኵሉ ዘይፍጽምናኣ

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንቤተ-ክርስትያን ካብቲ ሰብኣዊ ባህርያታን መብዛሕትኡ ግዜ ጕድለት ዘለዎ ጕዕዞኣን ኽሳዕ እትርሕቕ ኣብ ዘይክውንነት እተመርኰሰት ከይንገብራ ኣጠንቀቑ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ንቤተ ክርስትያን ዘለና ሓቀይና ፍቕሪ ኣብ ክውንነታ ደኣ እምበር ኣብ ፍጽምና እተመስረተት ከም ዘይኰነ ኣትሪሮም ተኣመኑ ።

ንቤተ-ክርስትያን ከም ቀደማ ምፍቃር ዘለዎ ኣገዳስነት ውን ኣጕልሑ ካብ ድኽመታ ንኽትመሃር ዘለዎ ብርታዐ ድማ ኣጕልሑ።

"ኣብቲ ጽንኩር እዋን እውን ከይተረፈ ዓሚቝ መንነታ እትፈልጥ ቤተ-ክርስትያን፣ ነታ እትነብረላ ዘላ ዘይፍጹትን ዝቘሰለትን ዓለም ክትርድኣ ትኽእል ኢያ" በሉ። "ንዓለም ምሕዋይን ምሕዳስን ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ዋላ እውን ሓድሓደ ግዜ እንተ ዘይተዓወተት ንኽትሓውን ገዛእ ርእሳ ንኸተሐድስን እትጽዕር ዓይነት መገዲ ኽትጥቀም እያ" ውን በሉ።

ተዘክሮን ዕርቅን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያንን ማሕበረሰብን ታሪኽ ምዕቃብ ኣድላዪ ምዃኑ ክዛረቡ ኸለዉ ብዛዕባ እቲ ነዚ ሕጂ ዘሎ ስነ-ሓሳብ መመኽነይታ ንምቕራብ ንዝሓለፈ ዘዛብዕ "ባህሊ ምፍራስ" ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ብኽልተ ወገን ዝቘመ ታሪኻዊ ዛንታታት ውን ኣጠንቀቑ።

ኣብ ክንድኡስ ይብሉ ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ደቅሰብ ጸልማትን ምዕራፋትን ዝነብሮ ሓለፍ ዝበለ ጸጋ ዘለዎ እዋናትን ብምግንዛብ ምስ ታሪኽ ሚዛናዊ ርክብ ክንገብር የድልየና ።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ታሪኻዊ ተዘክሮ "ንዕቤት ዕንቅፋት ዘይኰነስ መሰረት ፍትሕን ሕውነትን ኢዩ" ብምባል ኣጕልሑ።

ተሓድሶ ታሪኻዊ መጽናዕትታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም ብዛዕባ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዝግብር መጽናዕትታት ንምሕዳስ እተፈላለየ መዳያት ተንከፉ።

ንታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ናብ ናይ ግዜ መስርዕ ጥራይ ዚቕይሮ ዓይነት ኣቀራርባ ውን ነቐፍዎ፣ ብዛዕባ ታሪኽ ሓያል መጽናዕቲ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ኣጕልሑ።

ነቶም ዘርኣ ክህነታት ኣብቲ ናይ ጥንቲ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ኣጸቢቖም ክጽመዱ ብምምሕጻን እውን ኣብቶም ቀንድን ጥንታውያን ዝኾኑ ምንጭታት ዝያዳ ኣትኵሮ ኽገብሩ ውን ጻውዒት ኣቕረቡሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንድምጺ እቶም እተገለሉ ሰባት ድምጺ ምሃብ ኣድላዪ ምዃኑ ብምጕላሕ ውን ከምዚ በሉ - "እቲ ዘድሊ ብሕታውን ሓባራዊ ስምዒት ነቶም ተለኾ ወንጌል ንምፍጻም ቈራጽነት ዝገበሩ ከምኡውን ገለልተኛ ወይ ጽኑዕ መትከል ዘይመረጹ ሰባት ግቡእ ዝምድና ኢዩ።

ሰማእትነት

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ሰማእት ምዃን ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣዘኻኸሩ፣ ንምእመናን ከኣ ቤተ-ክርስትያን ስደትን መከራን ኣብ ዝወርዳ እዋን እቲ ዝበለጸ ጽባቐኣ ከም ዝረኸበት ኣዘኻኸርዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ በሉ - "እታ ቤተ-ክርስትያን ንባዕላ እውን ከም እተጠቕመት ሕጂውን ካብ ምጽራር ጸላእታን ሰጐጕታን ትጥቀም ከም ዘላ ትፈልጥ ኢያ።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ምዝዛም መኽቶም ንታሪኽ ምጽናዕ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ ንምእመናን ከኣ "መጽናዕቲ ሕሜት ኣይኰነን" ብምባል ኣዘኻኸርዎም።

ናይ ሓቂ መጽናዕቲ ዓሚቝ ሕቶታት ንምሕታትን ነቲ ኣቓልቦ ዝሰርቕ ናይ ሓሻሽነትን ኣሕላኽነት ባህሊ ንምቅዋምን ትብዓት ከም ዚሓትት መስከሩ ።

22 November 2024, 16:49