ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተጋባእያን ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ዋዕላ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ንኣዝዮም ተቓላዕቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ንምሕላው እትገብሮ ዘላ ቀጻሊ ጻዕሪ ኣማእኪሉ ዝመክር ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ፥ “ሓለዋ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤውሮጳ” ብዝብል ኣርእስቲ 25 ሃገራት ኤውሮጳ ኣሳቲፉ ክሳብ ዕለት 15 ሕዳር ዝቕጽል ዓውደ ጉባኤ ዕለት 13 ሕዳር ከም እተጀመረን እዚ ዓውደ ጉባኤ እዚ ነቲ ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ ከተማ ዋርሶው ዝተበገሰ ኤውሮጳዊ መርበባዊ ዕዮ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ንምስጓም ዝዓለመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጳጳሳዊ መልእኽቲ ሓድነት
እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሐ ዓውደ ጉባኤ ንኸበግሱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተጋባእያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ካብ ማእከል ኲናትን ግጭትን ዝኾነ ዞባ ኤውሮጳ ኣብቲ ጉባኤ ንኽሳተፋ ዝመጻ ሃገራት ንኢዶም፥ ኣብ ዓለም ገበርቲ ሰላም ምዃን ዝብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምዝካር፡ ተሳትፎኦም “ንኹሉ ዶባት ዝሰግር ሓድነትን ምትሕግጋዝን ዝምስክር ክኽውን” ተላብዮም፥ እቲ ጉባኤ ኣድማዕን ዘላቕን መደባት ንምቕራብ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ሓበሬታ ንምክፋልን ንሓድሕድዊ ምድግጋፍን ዝዓለመ መርበብ “ህዝብን ሰናይ ተግባራትን” ዝፈጥር ክኸውን ተስፋኦም ገሊጾም፡ ተሳተፍቲ ከም ምልክት ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ንዝተሳቐዩ ፍትሕን ፈውስን ዕርቅን ዘማእከለ እተቕርቦ ሓልዮት ዘረጋገጽ ምጽንናዕን ሓገዝን ዝህብ ተበግሶታት ክፈጥሩ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍልልያት ምንጪ ፈውሲ ክኸውን ይኽእል እዩ
ነዚ ጉባኤ እዚ ካብ 25 ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጹ ጳጳሳትን ካህናትን ክሳብ ዓለማውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ብህይወት ዝተረፉን ግዳያትን ሓዊሱ ብጠቕላላ ልዕሊ 100 ወከልቲ ዘሳተፈ ኣብ ሮማ ዕለት 13 ሕዳር ዝተከፍተ ዓውደ ጉባኤ፥ ብፁዕ ካርዲናል ሾን ኦ’ማሊ ሊቀ ጳጳሳት ቦስተንን ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመን ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ብወግዒ ከም እተበገሰን፥ ካርዲናል ኦማሊ ነቲ “ናይ ባህልታትን ቋንቋታትን ብሄራትን ሃይማኖታትን ጥበብ ዘቕርበልና” ብዙሕነት ኤውሮጳ ኣጕሊሖም። እዚ ፍልልያት እዚ ነቲ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ግህሰት ዘጋጠሞም ሕጻናት፡ ሕጂ ዓበይቲ ዝኾኑ” ዝወረዶም መጒዳእቲ ንምፍዋስ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ ንግዳያትን ካብ ሞት ዝደሓኑ ድምጺ ምሃብ ዘለዎ ኣገዳስነቱ ኣስሚሮም . . . “ቆልዑ ኣብ እምነትና ማእከላይ ደረጃ እዮም . . . ስለዚ ዝቐርቡ ክስታት ኣብ ምጽራይ ግቡእ መስርሕ ኣብ ዝካየደሉ እዋን እውን ከይተረፈ ብሓልዮት ምምራሕ የድሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሓባራዊ ተልእኾ
ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ዓ.ም. እቲ ኣብ ዋርሶ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ "ንደቂ ኣምላኽ ናይ ምዕቋብ ሓባራዊ ተልእኾና" ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ዕላማ ተመክሮታት ኣብ ምልውዋጥ ንምዕዳምን ብዛዕባ ዕቝባ ብዝሓሸ መገዲ ብምልላይ ምስ ተወከልቲ ቤተ - ክርስትያን መራኸቢታት ንምቛምን ዝብል ከም ዝነበረ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።