ር. ሊ. ጳ. ብዛዕባ ክርስቶስ ንጉሥ፦ ካብ ፍቕርን ሓቅን ፈጺምኩም ኣይተላግሱ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ብምኽንያት በዓለ ክርስቶስ ንጉስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፣ መንእሰያት ካብ ካልኦት ክስታት እኳ እንተኣጋተሞም ንኣምላኽን ንህይወትን ዘለዎም ፍቕሪ ኣጽኒዖም ክሕዙ ተማሕጸንዎም ።

ኣባ ተውለደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቤተ-ክርስትያን ነቲ ዓመታዊ መዓልቲ መንእሰያት ዓለም ኣብ በዓለ ክርስቶስ ንጉስ ኣብ እተብዕልሉ ዘላ እዋን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንምስግጋር መስቀል ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያትን ወይ ኣይቆና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድሕነት ሮማውያንን ተኻፊሎም።

ትማሊ ሰንበት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ምዝዛም መሥዋዕተ ቅዳሴ ሓያሎ ፖርቱጋላውያን መንእሰያትን ነቶም ብ2027 ኣብ ሴኦል ንዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ንምዕዳም ንዝዳለዉ ዝለዉ ነቲ ምልክት ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት ነቶም ካብ ደቡብ ኮርያ ዝመጹ ተወከልቲ ሃብዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም ነዚ ምልክታት እዚ ክርስትያን ተስፋ ኸይቈረጹን ከይተሓለሉን ንወንጌል ክስዕብዎ ዝዕድም ምልክትን ከምኡውን ጻውዒትን ኢዩ ክብሉ ኣመልከቱ ።

ናይ ቤተ-ክርስትያን ሊጡርጊያዊ ዓመት ኣብ ዝዛዘመሉ ዘሎ ምእሙናን በቲ ርግጽ ዝዀነ ዘለዓለማዊ መንግስቲ ክርስቶስ ክተባብዑ ተማሕጸንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መንእሰያት ካብቲ ኢየሱስ ኣብ መንጎ ፈተናታትን ህዝባዊ ጸገማትን ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም እምነትን ትብዓትን ከጽንዑ  ከም ዘለዎም ገለጹ ።

ሓድሓደ ግዜ ንሳቶም እውን ንኢየሱስ ብምስዓቦምን ምስ ወንጌል ዚጻረር መገዲ ንኺስዕቡ ጸቕጢ ስለዝወርዶም ከም 'እተኸስሱ' ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን።

"ካብ 'ኵነኔ' ኣይትፍርሁ" ውን በሉ። "ኣይትጨነቑ፣ ውዒሎም ሓዲሮም እቶም ዝነቕፉኹም ፍርዶም ሓሶት ኪኸውን ዕምቈት ዘይብሉ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታቶም ድማ ከም ሕልሚ ኮይኑ ክግለጽ እዩ።"

ፍቕሪ ጥራይ ከም እትጸንዕ ውን ገለጹ ስለዚ ነቲ ዘለኣለማዊ ውህበት ፍቕሪ ኣምላኽ ክንቅበሎ ኣሎና ።

ፍቕሪ ጥራይ እዩ ሓጐስ ዘምጽእ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ "ትርጉም ስልጣን" ስለ ዝነጸጎ ካብ ሰበ-ስልጣን ደገፍ ወይ ስምረት ክረክብ ፈጺሙ ኸም ዘይደለየ ኣመልከቱ።

ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ኸም ናቱ ገይሩ ስለ ዜፍቅረና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዀነ ብኻልእ መገዲ ዓለማዊ ስምረት ክንደሊ ኣየድልየናን እዩ ።

"ኣብ ቅድሚኡ ቅንዕና ሕልምታትኩም ካብ ኣሳልጦን ዝናን ይበልጽ፣ ቅንዕና ሓሳብኩም ከኣ ካብ ዓለማዊ ስምረት ይበልጽ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ብናጻ እተዋህበና ውህበት ፍቕሪ ጥራይ ኢዩ ሓጐስ ኬምጽኣልና ዚኽእል" ስለዚ ዝዀነ ይኹን ዓለማዊ ፍቕሪ ኼሐጕሰና ኸም ዘይክእል ገለጹ ።

ንሓቂ ምምስካር

ድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና ንኣገዳስነት ሓቂ ኣጕልሑ እዚ ድማ ካብ ሰንሰለትን ካብ ምጉዳል ፍትሒ ይኣኽለኒ ምባልን ከምኡውን ካብ ጓሂ ናጻ ይገብረና።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "እቲ መገዲ ሓቂ ከምኡውን ህይወት ዝዀነ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ኻብ ኵሉ ነገራት ቀንጢጡ ምእንቲ ድሕነትና ኣብ መስቀል ብሙማቱ ብፍቕሪ ጥራይ ክንነብርን ክንዓብን ምሉእ ክብርና ክንዕምብብ ከም እንኽእል ይምህረና ኢዩ።"

ነቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ 2025 ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ንመንእሰያት ቅድስናኡ ዝእውጁሉ ብፁዕ ፒየር ጆርጅዮ ፍራሳቲ ዝሃቦ ክርስትያናዊ ምስክርነት ድማ ኣስመሩሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ኢጣልያውያዊ መንእሰይ ንዅሎም መንእሰያት “ምስጋር ጥራይ” ሸቶኦም ከም ዘይኰነ ኣዘኻኸርዎም። ኣብ ክንድኡስ ክርስትያን ምእመናን ብምልኣት ክነብሩን 'ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘፍቀረና ንሓድሕዶም እናተራቀሩ ውን ንሓቂ ብሰናይ ክምስክሩን' ከም ዝደልዩ ገለጹ።

ዘልዓለማዊ ፍቕሪ ኣምላኽ

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ታሪኽ በቶም ጨቈንትን ዓመጽትን እተጻሕፈ ሓቂ ኣይኰነን" ብምባል ፍጻመታት ዓለም፣ ካብ ዓይኒ ኣምላኽ ከም ዘየምለጠ ነቶም ምእመናን ኣረጋገጹሎም።

እቲ ፍትሓውን መሓርን ዝኾነ ንጉስ ክርስቶስ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ዝፈርድ ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ "ክንወድቕ ከለና ይእርመና እዩ ፣ ካብ ምፍቃርና ግና ኣየቋርጽን እዩ " ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ ። "እንተ ደሊና ጕዕዞና ብሓጐስ ምእንቲ ኽንቅጽል ይወስደና።"

መሥዋዕተ ቅዳሴ በዓለ ክርስቶስ ንጉሥ
25 November 2024, 17:04