ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቓዛ ዝርአ ዘሎ ህልቅቲ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ይዅንኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቓዛ ዝርአ ዘሎ ህልቅቲ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ይዅንኑ  (REUTERS)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቓዛ ዝርአ ዘሎ ህልቅቲ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ይዅንኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ሰላም ክህሉ ጸልዮም፥ ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ኮኒኖም፣ ኣብ ጫድ ንግዳያት መጥቃዕቲ ግብረሽበራን ኣብ ስጳይና ብምዕልቕላቕ ማይን ንዝተጎድኡን ቅርበቶም የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ክብረ በዓል መዓልቲ ኩሎም ቅዱሳን ዕለት 1 ሕዳር ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳዊ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ደጊሞም ኣብ ዓለም ሰላም ኽህሉ ጸሎት ኣቕሪቦም ምእመናን ምእንቲ ሰላም ወትሩ ክጽልዩ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎት ምእንቲ ግዳያት ኲናት

ፍራንቸስኮ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝገብርዎ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ክህሉ ቅድሚ ምሕታቶም፡ ሓሳቦም ናብ ዩክሬን፡ ሚያንማርን ደቡብ ሱዳንን ኣቕኒዖም፥ "ኣሕዋትን ኣሓትን ኩናት ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ ኩሉ ግዜ!" ቢሎም፥ ውግእ "ውርደት እዩ" ፡ "ዓወት ክፍኣትን ሓሶትን፡ ንርእስኻ ዝለዓለ መኽሰብን ጸላእየይ ንእትብሎ ድማ ዝለዓለ ጉድኣትን ምድላይ፡ ህይወት ደቂ ሰባት፡ ንኣከባቢ፡ ትሕተ ቅርጺ - ኮታ ኩሉ ነገር ምዕናው ኩሉ ድማ ብሓሶት ዝጉልብብን እዩ . . . ቅዱስነቶም ወሲኾም ኣብ ውግእ ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ንጹሃት ከም ዝጠፍእ ኣስተብሂሎም፡ ብፍላይ ናብቲ "ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ቓዛ 153 ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን" ዝቐዘፈ ዓመጽ ይዝክሩ።

ቅርበቶም ኣብ ጫድ ንግዳያት መጥቃዕቲ ግብረሽበራ

ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሓሳባቶም ናብቶም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጫድ ብዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ግዳያት ዝኾኑ ኣቕኒዖም፥ ዕለት 27 ጥቅምቲ ኣባላት ጅሃዳዊ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ኣብ ጥቓ ዶብ ናይጀርያ ኣብ ዝርከብ መደበር ሰራዊት ብዝፈጸመዎ መጥቃዕቲ 40 ወተሃደራት ከም እተቐትሉን ቅዱስነቶም ነዚ ተሓሳቢ ገይሮም ምስቶም ግዳያትን ምስ ስድራኦምን ዘለዎም ቅርበትን ጸሎትምን ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጸሎት ግዳያት ህቦብላ ቫለንሽያ

ንህዝቢ ሓውሲ ደሴት ኢቤርያን ብፍላይ ድማ ነቲ ብህቦብላ “ዳና” ኣብ ስጳይና ዝዓነወ ማሕበረሰብ ቫለንስያ ክጽለ ሓቲቶም . . . "ንዝሞቱን ፈተውቶምን፣ ከምኡ'ውን ንኹሎም ዝተጎድኡ ኣባይቲ ስድራ" ብምዝካር፥ "ጎይታ ነቶም ዝሳቐዩን ነቶም እፎይታ ዘምጽኡ ኣብ ኣገልግሎት ኣድሕን ህይወት ዝተዋፈሩን ይደግፍ፥ ምስ በሉ ንሕዝቢ ቫለሲያን ኵለ መዳያዊ ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹ የመላኽት።

02 November 2024, 17:01