People take shelter inside a metro station during a Russian military attack, in Kyiv People take shelter inside a metro station during a Russian military attack, in Kyiv 

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብተን ብውግእ ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ሰላም ክሰፍን ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነተን ብውግእን ግጭታትን ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ ዩክረይን ቅድስቲ መሬትን ከምኡውን ምያንማር ዘሎ ኩነታት ዘኪሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነተን ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራት ብምዝካር ንዘቕርብዎ ምሕጽንታ ኸም ብሓድሽ ኣሐደስዎ፣ ኣብ መላእ ዓለም ንሞትን ዕንወትን ብሸልልትነት ከይርእዩ ድማ ኣጠንቀቑ ።

ነተን ብውግእ ዝዓንዋ ዘለዋ ሃገራት ከይንርስዐን ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ነቶም ካብ ኢጣልያ ዝመጹ ነጋድያንን በጻሕትን ኣብ መደምደምታ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘቕረብሎም ቃል ሰላምታን ምሕጽንታ ኣብ ዝሃቦም ርእይቶ እዩ ዘነበረ።

"ኣሕዋትን ኣሓትን ነታ በጃ ትኸውን ዘላ ሃገረ ዩክረይን ትሳቐ ስለዘላ በጃኹም ንዩክረይን ኣይንረስዓያ" በሉ።

ኣስዒቦም ድማ "ፍልስጤም እስራኤል ምያንማር ከምኡውን ነቲ ኣብ ውግእ ዝነበራ ዘልዋ ብዙሓት ሃገራት ኣይንረስዕ" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ብፍሉይ መገዲ ኣቓልቦኦም ናብቶም ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተቐትሉ ጕጅለ ንጹሃት ዜጋታት ፍልስጥኤማውያን ገብሩ፣ ከምዚ ድማ በሉ - "ሰላም ንምርካብ ንጸሊ። ብዙሕ ሰላም ኢዩ ዘድልየና ዘሎ" ድማ በሉ።

13 November 2024, 15:57