ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንግዳያት ምፍራስ ናሕሲ መደበር ባቡር ሰርብያ ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንግዳያት ምፍራስ ናሕሲ መደበር ባቡር ሰርብያ ይጽልዩ  (ZORANA JEVTIC)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንግዳያት ምፍራስ ናሕሲ መደበር ባቡር ሰርብያ ይጽልዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሰርቢያ 14 ሰባት ንሞት ዝዳረገ ሓደጋ ምፍራስ ናሕሲ መደብር ባቡር ምኽንያት ናብ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ኣሌክሳንደር ቩቺች ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንግዳያትን ንዝተጎድኡን ጸሎቶምን ቅርበቶምን ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዓርቢ ዕለት 1 ሕዳር ኣብ ሰሜናዊ ሰርብያ ናሕሲ ናይ ሓደ መደበር ባቡር ብምፍራሱ ዝሞቱ 14 ሰባትን ዝቖሰሉ ካልኦትን ኣብ ጸሎቶም ይዝክሩ፡ ቅዱስነቶም “ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መደበር ባቡር ኖቪ ሳድ ዘጋጠመ ሓደጋ ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ምኽንያት ናብ ናይ ሰርቢያ ርእሰ ብሔር ኣለክሳንደር ቩቺች ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ በቲ ዝወረደ ሓደጋ ዝተሰምዖን ሓዘን ገሊጾም፥ ዝሞቱን ኣብ ሓዘን ዝርክቡን ኣባይቲ ስድራን ዝተጎድኡን ጸሎተይን ቅርብተይን አረጋግጽ” ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 6 ሕዳር ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም “ክሉ ዝኽእል ኣምላኽ በረኸት ፈውስን ምጽንናዕን ሰላምን ኣብ ልዕሊ ኩሎም በዚ መዓት እዚ ዝተሃስዩ እምሕጸን” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ምፍራስ ናሕሲ ናይ ሓደ መደበር ባቡር ምኽናይት ልዕሊ ሰላሳ ሰባት ከም ዝቖሰሉን ካብኣቶም ድማ ሰለስተ ከቢድ ማሕሰይቲ ከም ዝወረዶምን በዚ ሓደጋ ምኽንያት ዕለት 5 ሕዳር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰርብያውያን መንግስቲ ናይቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ተሓታቲ ዝብልን ከምኡ እውን ዘርኣየ ዘሎ ሸለትነትን ብልሽውናን ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱን ሰኑይ ሚኒስተር መጐዓዝያ ሰርብያ ጎራን ቨሲክ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምኽንያት ካብ ሓልፍነቱ ከም እተሰናበተ ምንጭታት ሓበሬታ ሰርቢያ ዝተቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

07 November 2024, 15:39