ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዋላ ኣብ ቅድሚ ውድቀት ተስፋ ከይቆረጽካ ሰላም ምድንፋዕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዋላ ኣብ ቅድሚ ውድቀት ተስፋ ከይቆረጽካ ሰላም ምድንፋዕ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዋላ ኣብ ቅድሚ ውድቀት ተስፋ ከይቆረጽካ ሰላም ምድንፋዕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንልኡኻት ሃገረ ስብከት ኣኦስታን ጉባኤ ስርዓተ ቀኖናውያን ኣገልገልቲ ዓብይ ቅዱስ በርናርዶስ ዕለት 12 ሕዳር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ ኣስተንትኖን ስብከታትን ሓላዊ ቅዱስ ሓኾርቲ እምባታት ቅዱስ በርናርዶስ፥ "ኣዚዮም ዝተረሩ ልብታት ናይ ምትንካፍ ልዕሉ ዓቕሚ ዘለዎ ከም ዝኾነ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በርናርዶስ ሓላዊ ቅዱስ ሓኾርቲ እምባታትን ተጓዓዝቲ ኣብ ኣኽራናዊ ዞባታትን ተቐማጦ ዞባታት ኣኽራናት ቢላ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝሰመየቶ ብምዝኽካር፡ ሕይወት እዚ ቅዱስ እዚ ብእንግዶትን ምድንፋዕን ሰላምን ዝልለ ከም ዝኾነ ድማ ገሊጾም፡ ነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራእ ዝተቐበልዎም ልኡኻት ሃገረ ስብከት ኣኦስታን ጉባኤ ስርዓተ ቀኖናውያን ኣገልገልትን ዓብይ ቅዱስ በርናርዶስ ኣብ መበል 900 ዓመት ዝኽሪ ኣዋጅ ቅድስናኡ ቅዱስ ሓላዊ ሓኾርቲ እምባታትን ኣኽራትን ተጓዓዝትን ተቐማጦ ዞባታት ኣኽራናትን ቢላ ከም ዝሰመየቶን እዚ ዝተዋህቦ ስያመ ድማ ለምዘበን መበል 100 የቑጽር ምህላዉን ሓቢሮም፥ ሰላም ኣብ ምትብባዕ ዘተኮረ ምዃኑ ድማ ገሊጾም፥፥ ሃጸይ ሄንሪ ራብዓይ ኣብ ልዕሊ ር.ሊ.ጳ. ጎርጎርዮስ ሻብዓይ ውግእ ንኽከፍት ካብ ዝነበሮ ሓሳብ ንኸንሳሕብ ምስቲ ዝነበሮ ሕማም ናብ ፓቪያ ከም እተጓዕዘን እዚ ጻዕሪ እዚ እወንታዊ ውጽኢት ዘየርከበ እንተነበረ ነዚ ሰናይ ዕላማ ህይወቱ ከም ዘወፈየን ማለት ካብቲ ጉዕዞ ምስ ተመልሰ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ከም ዝዓረፈን፥ “እዚ ኪኖ ዝኾነ ይኹን ውሕስነት ዓወት ረቒቕን ዘይርጉጽ ዕማም፡ ገዛእ ርእሱ ኣብ ምውፋይ ዘርኣዮ ጽንዓት ኣብ ቅድመና ዝያዳ ክቡር ይገብሮ፡” ዝበሉ ቅዱሰንቶ፥ እዚ ኩሉ ተግባራቱ ድማ "ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዝያዳ ክቡር" ይገብሮ፥ ሰላም ምድንፋዕ፡ ተስፋ ከይቆረጽካ፡ ዋላ ኣብ ቅድሚ ውድቀት እውን ብትብዓት ንቕድሚት ምባል ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ኣዚዩ የድሊ” እንክብሉ የስተብህሉ።

መደብ ውሁድ ግብረ ሰናይ፣ ንዋታውን መንፈሳውን

ቀጺሎም ቅዱስ በርናርዶስ፥ "ንዝተረረ ልቢ ከይተረፈ ክትንክፍ ዝኽእል ሰባኺ ምንባሩን፡ ንህያብ እምነትን ምልዋጥን ገዛእ ርእስኻ ንኽትክፈት ዝድርኽ ምዃኑን ነዚ ክሳብ ኣብ 1081 ዓ.ም. ኣብ ኖቫራ ዕረፍቱ፥ ብቕንኣት ገዛእ ርእሱ ዘወፈየ ቢሎም፥ እቲ እንግዶት ዝብል ዝነብሮ ዝነበረ ክቡር ዋጋ፡ "ነቶም ኣብ ጥቓ እምባ ብላንክ ንተጓዓዝቲ ዝመርሑን ተጓዓዝትን ኣብ ምሕብሓብ” ምንባሩን፥ . . .  እዚ ጉዕዞ እዚ "ሃለዋትካ ንምጥፋእ፣ ብምድርማስ ኩምራ በረድ ንሞት ሓደጋ ዘቃልዕ ምዃኑ ቅዱሰንቶም ኣዘኻኪሮም ኣብዘን ቦታታት እዚኣተን በርናርዶስ ክልተ መእለዪ ማእከላት ከም ዘቖመን እዚ ኣገልግሎት እዚ በቶም ብስሙ ዝጽውዑ ኣባላት ስርዓተ ቀኖናውያን ኣገልገልቲ፥ በቲ ንሱ ዘበገሶ “ኣብዚ ክርስቶስ ይምለኽን ብኽርስቶስ ትዕንገልን” ብዝብል መንፈሳዊ መርሕ ይቕጽል ምህላዉ ኣዘኻኺሮም፡ ስለ ኣገልግሎቶም ኣመስጊኖም፥ እቲ መእለዪ ማእከል ቅዱስ ቁርባን ኣብ ማእከል ዝገበረ ንጸሎት ማዕጾ ንዝኹሕኩሕ ምቕባል ዝብልን ኩለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዘቕርብ ማለት ንዋታውን መንፈሳውን መደብ ዘቕርብ እዩ። ነቲ ንዝኾነ ሓገዝ ዝሓተት ሰብ ብስጋን ብመንፈስን ብዘይ ኣፈላላይን ብዘይ ምዕጻውን ምቕባልን ምሕብሓብን ንዝብል ኣገልግሎት ኣብነት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ልቢ ክትወስዶ ዘለካ ጉዕዞ

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ እምባ ዝሓኹሩ ዝጥቀምሉ "ፋስ ገመድ ዝኣመሰሉ መሳርሕታት . . . ዘርዚሮም ንቕዱስ በርናርዶስ እቲ ቀዳማይ ቃል ኣምላኽ እዩ ነርዩ፥ ልቢ ዝቐርጸሉን ዝተረሩ ኣልባባት ዝትንከፈሉን ዝልውጠሉን እታ ኻልአይቲ ኸኣ "ኣብ ጉዕዞ ንኻልኦት ኣብ ሓደገይና መገድታት እውን ከይተረፈ ኣብቲ ሸቶ ንኽበጽሑ ዝሕግዞም ማሕበረሰብ ዝውክል እዩ . . . ኩሉ ሰብ ድማ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጉዕዞ ኣብነት ቅዱስ በርናርዶስ ክስዕብን ልዕሊ ኹሉ ግና ኣብ ውሽጢ ልቢ ንዝገብር ጉዕዞ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 November 2024, 16:07