ድለ

2024.11.23 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ጠበቓታት ሕገ ቀኖና፥ ፍትሒ፡ ምግባረ ሰናይን፡ ሓቅን ክፈትዉ ኣለዎም 2024.11.23 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ጠበቓታት ሕገ ቀኖና፥ ፍትሒ፡ ምግባረ ሰናይን፡ ሓቅን ክፈትዉ ኣለዎም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ጠበቓታት ሕገ ቀኖና፥ ፍትሒ፡ ምግባረ ሰናይን፡ ሓቅን ክፈትዉ ኣለዎም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ ኩርያ ሮማና መደበይና ቤት ፍርዲ ሕገ ቀኖና ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ሕንጸት ተጋባእያን ዕለት 23 ሕዳር ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ተቐቢሎም ሰላምታ ኣቕሪቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ናይ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ሕመረት ዝኾነ፥ ግብረ ሰናይ፡ ፍትሕን ሓቅን ዝተኣሳሰሩ ከም ዝኾኑ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ፍቕሪ - ግብረ ሰናይ - ሰባት ብትብዓትን ብልግስን ኣብ ዓውዲ ፍትሕን ሰላምን ንኽዋፈሩ ዝድርኽ ፍሉይ ሓይሊ እዩ። ካብ ኣምላኽን ዘለኣለማዊ ፍቕርን ፍጹም ሓቅን ዝብገስ ሓይሊ እውን እዩ . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ዝበሉ ነቲ ነቲ ናይ መወዳእታ ናይ ይግባይ ሕቶ ተቐቢሉ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዘመሓላልፍ ብሮታ ሮማና ዝፍለጥ መደበይና ቤት ፍርዲ ሕገ ቀኖና ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ሕንጸት ተጋባእያን ተቐቢሎም Caritas in Veritate - ፍቕሪ ኣብ ሓቂ ዘርእስቱ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2009 ዓ.ም. ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ጠቒሶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፥ ተልእኾ ሮታ ሮማና - ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኩርያ ሮማና፡ እቲ ዝለዓለ ናይ ይግባይ ሕቶ ዝቕበል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቤተ ክርስቲያን፡ ከምኡ’ውን ነፍሲ ወከፍ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ቤተ ክርስቲያን፡ “ኣገልግሎት ፍትሕን ፍቕርን ብሓቂ” ዝንበሮ እዩ እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣስተብሂሎም፥

ጠበቓታት ሕገ ቀኖና፥ ፍትሒ፡ ግብረ ሰናይን ሓቅን ክፈትዉ ዝተጸውዑ ኮይኖም፡ ካብዞም ኣዝዮም ዝተኣሳሰሩ ክቡራት ዋጋታት፡ ሓደ እንተጎዲሉ ሰለስቲኦም ሓቅነቶም ይስእኑ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

"ፍትሒ ብዘይ ግብረ ሰናይ ግብረ ሰናይ ብዘይ ፍትሒ" ክጸንዕ ኣይክልን እዩ። “ፍትሒ ዘይብሉ ግብረ ሰናይ ሓቀይና ግብረ ሰናይ ኣይኮነን!”

ፍትሒ ንጽቡቕ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ምድላይ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ብምሕረት ክጽረብ ኣለዎ፣ “ፍትሒ ብብርሃን ፍቕሪ ጥራይ እዩ ክትርድኦ ዝከኣል። . . . እቶም ዓቕለሲያዊ ስልጣንኩም ንኽትትግብሩሎም ደልዮም ናባኹም ዝመጹ ወትሩ ምስ ወጅሂ ናይታ ንዅሎም ደቃ ብለውሃት እተፍቅር ኣዴና ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ክርእዩ ከም ዘለዎም ፈጺምኩም ኣይትረስዑ” እንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ኣፍሊጡ።

ፍቕሪ፡ ንጠበቓታት ሕገ ቀኖና “ሕጋዊ ተሃዋስነቶም” ከማዕብሉ ከም ዝምህሮም ኣመልኪቶም፥ እዚ ድማ ናይ ሓቂ መሰል ናይቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ - ክርስትያን ዘሎ ሰብ እንታይ ምዃኑ" ኣፍልጦ ምእንቲ ክህልወኩም ምስ በሉ ቀጺሎም፥ "ልግሲ (ግብረ ሰናይ) ፍትሒ ኣይስረዝን ወይ መሰላት ኣየዛይድን ኢዩ . . . ብስም ፍቕሪ ነቲ ናይ ፍትሒ ግዴታ ዕሽሽ ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና . . . ንኣብነት "ምሕረት ፍትሒ ስለ ዘይስርዝ" እዚ ሕጂ ዘሎ ብዛዕባ ናይ መጻምድቲ ጕዳያት ዝምልከት መዐቀኒታት ብስም ቅልጡፍ መስርሕ ክበላሾ ከም ዘይክእል

ገሊጾም፥ ልግስን (ግብረ ሰናይ) ፍትሕን መሰረቶም ኣብ ሓቂ ምስ ዝረኸቡ ብስኒት ይዓዩ ቢሎም፡ ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ቤተ - ክርስትያን ነቲ ዕለት 24 ታሕሳስ እተበግሶ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.  ኣብ እትጥምተሉ ዘላ እዋን ነቶም ጠበቓታትን ደያኑን ሕገ ቀኖና ተስፋ ክሓቝፉ ዓዲሞም፥

"ብተስፋ ንኽንሰሓብ ንፍቀድ፡ ነቶም ተስፋ ዝደልዩ ተመሓላላፊ ንግበሮ . . . ቢሎም ንሰነድ ኣዋጅ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ተወኪሶም፥ ህይወትና '"ብጐይታ ተስፋ ግበር ልብኻ ይበርትዕ ኣብ ጐይታ እውን ተስፋ ይግበር ዝብል ብስራት ይኹን” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 November 2024, 10:08