ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሥርዓተ ሊጡርጊያ በዓለ ልደት ቅዱስ ኣፍደገ ክኸፍቱ ኢዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ድሮ በዓለ ልደት ምሸት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣፍደገ ብምኽፋት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ብዕሊ ክኸፍትዎ ኢዮም።
ኣብ መዓልቲ ኣብ በዓል ልደት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልሙድ ኡርቢ ኤት ኦርቢ (ንከተማን ንዓለምን) ዝተሰምየ መልእኽቶም ብምልጋስ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ከካፍሉ ኢዮም።
ብድሕር’ዚ ኣብ ዕለት 26 ታሕሳስ ኣብ ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ በዓለ ቅዱስ እስጢፋኖስ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣብ ረቢብያ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ከተማ ሮማ ሓደ ቅዱስ ኣፍደገ ካብ ጳጳሳውያን ባዚሊካታት ወጻኢ ዝኾነ ክኸፍቱ ኢዮም።
ድሮ ሓድሽ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ 2024 ኣብ መደብ ጸሎተ ዋዜማ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክሳተፉ ኢዮም።
ንጽብሒቱ ኣብ ዕለተ ሓድሽ ዓመትን መበል 58 መዓልቲ ሰላምን ንምብዓል መሥዋዕተ ቅዳሴ ክመርሑ ኢዮም።
ብዕለት 6 ጥሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንክብረ በዓል ኣስተርእዮ ክመርሑ ኢዮም።
ኣብ መወዳእታ ድማ ንዘነ በዓለ ልደት ብዕለት 12 ጥሪ ኣብ ቤተመቕደስ ሲስቲና ንዝኽሪ መዓለ ጥምቀት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ሃገረ ቫቲካን መስዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ ከጠቓልልዎ ኢዮም።
ቤት ጽሕፈት ጳጳሳዊ ሊጡርጊያዊ መደባት ነዚ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ዝመርሕዎ ሊጡርጊያዊ መደባት ናይዚ ካብ መፋርቕ ታሕሳስ ክሳዕ መፋርቕ ጥሪ ዘሎ ብወግዒ ኣፍሊቱ ኣሎ።