ር. ሊ. ጳ. ንዘርኣ ክህነታት፦ 'ምስ ጳጵሱ ጥቡቕ ርክብ ዘይብሉ ካህን ሓንካስ እዩ!'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ብሩኽ መዓልቲ! ከመይ ደአ ጸጥ ኢልኩም ኣሎኹም!" ክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሮም ነቶም ካብ ኣብ ቶሌዶ ስጳኛ ዝርከብ ሓደ ዘርኣ ክህነት ዝመጹ ጕጅለ ሰላምታ ኣቕረቡሎ ። ከም በጻሕቲ ንምዝዋር ወይስ ከም ነጋድያን ንንስሓ ክብሉ ናብ ሮማ ከም ዝመጹ ብምሕታት ተዋዘይዎም።
“ካህናት ምስ ኣርባዕተ ጕጅለታት ጥቡቕ ርክብ” ክህልዎም ከም ዘለዎም
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ጳጳሳትን፣ ኣባላት ሥነ መዕበያን፣ ሰራሕተይናታት ዘርኣ ክህነታትን ከምኡ ውን ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነት ተራ ዝኾነ መንፈሳውነት ንኸማዕብሉ ብድሆ ኣቕረበሎም፣ ምስ ኣርባዕተ ዓይነታት ጕጅለታት ድማ ጥቡቕ ርክብ ንኽገብሩ ድማ ተማሕጸንዎም ። ቀዳማይ "ምስ ጐይታ ናይ ምርኻብ ክእለት ምእንቲ ክህልዎም " ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡ ኣለዎም። እቲ ኻልአይ ጕጅለ ኸኣ ኣብ መንጎ ካህናትን ጳጳሳትን ጽቡቕ ምቅርራብ ዘለሞም ክኹኑ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም "ምስ ጳጳሱ ርክብ ዘይብሉ ካህን 'ሓንካስ' እዩ፣ ገለ ነገር ከኣ ጐዲልዎ ኣሎ" ብምባል ውን ኣጠንቀቑ።
ኣብ ርእሲ እዚውን ነቶም ጕጅለ ኣብ ነንሓድሕዶም ሓድነት ክህልዎም ከም ዘለዎ ኣዘኻኸሮም፣ እዚ ድማ ድሮ ኣብቲ ዘርኣ ክህነት ኢዩ ዝጅምር። እቶም ናይ መወዳእታ ጕጅለ ድማ ካህናት ምስቶም ምእመናኖም ማለት ምስ "ቅዱስ ሕዝቢ ህዝቢ ኣምላኽ" ክገብርዎ ዘለዎም ቅርበት ኢዩ።
ጽንብል ቅዱስ ቍርባን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ቍርባን ንመጀመርታ ግዜ ሙዳየ ቅዱስ ቁርባን ክዕቀበሉ ዝጀመረ ጥንታዊ ትውፊት ንምዝካር ዝዳለዉ ዘለዉ ጕጅለ ውን ኣመልኪቶም ሓሳባቶም እንከካፍሉ "ዑደት ናይቲ 'እተዓቀበ' ጽንብል" ክብሉ ጸውዕዎ። ኣብቲ ትፊት እቲ ሰለስተ ኣገዳስቲ ህሞታት ውን ኣጕልሐ፣ እዚ ኸኣ ቅዳሴ፣ መዓልታዊ ዘየቋርጽ ኣምልኾ ቅዱስ ቍርባን ከምኡውን እቲ ናይ ሥርዓተ ምዕቃብ ቅዱስ ቍርባን እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ዝኽሪ እዚ መሰረታዊ መዳያት ክህነት ከም ዘጕልሕ ከም ምዃኑ ውን ኣመልከቱ ።
ቐዳማይ ኣብ ቅዳሴ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ህይወትና ዝኣተወሉ እዋን እዩ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ "ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ቤተ ክርስትያን ኢዩ ዝጸውዓና ገዛዕ ርእሱ ምእንቲ ከወፍየልና ከአ ኣብ ክህነትን፣ ኣብ ሕዝቢ ኣማልኽን፣ ኣብ ምስጢራን ከምኡ ውን ኣብ ዓለም ተገልጸ” በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ነቶም ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ካህናትን ንኣምላኽ ንኺሰምዑ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኪኸፍቱሎም ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባን ግዜ ኼሕልፉ ኣተባብዕዎም። "ንምድራዊ ህይወትና ዜብርህን ዚድግፍን ከምኡውን ዘበርትዓና ፍቕራዊ ምርኻብ ጥራይ እዩ" ድማ በሉ።
እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል ናይቲ ጽንብል ድማ ዑደርት ቅዱስ ቍርባን ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኣገልግሎት ክህነት ንክርስቶስ ናብ ህዝቡ ምምጻእ ምዃኑ ንምዝኽኻር ኢዮም ዝተጠቕሙሉ ምሳሌ ኢዩ ዝነብረ። ኣብ መወዳእታ ነቶም ጕጅለ ሰናይ ምንዮቶም ብምግላጽ ተፋነውዎም ። "ኣዒንትና ኻብቲ ዚመርሓና ኸየልገስና ኣብዚ ቕዳሰ በቲ ተስፋ ምርኻብና በቲ ድሮ ዝጠዓምናዮ ምስጢር ከመይ ቢልና ብሓባር ከም እንጕዓዝ ክንመሃር ተስፋ እገብር” ብምባል ውን ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።