ር.ሊ.ጳ. ኣብ ስጳይና ብርቱዕ ዝናም ብዝፈጠሮ ምዕልቕላቕን ውሕጅን ንዝተሃስዩ ቅርበቶም የረጋግጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብርቱዕ ውሕጅ ንዞባ ስጳይና ቫለንሲያ ብብርቱዕ ከም ዝሃሰየን ብውሕዱ 140 ሰባት ከም ዝሞቱ ክሕበር እንከሎ ር.ሊ.ፓ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብይብጻሕ ናብ ናይ ቫላዶሊስ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ልዊስ ኻቪየር ኣርጐሎ ግራሲያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ምስ ግዳያትን ዝተጎድኡን ዘለዎም ቅርበት ኣረጋጊጾም፥ “ኣብዚ ጽንኩር ኣዕናዊ ህሞት ቀረባኹም እየ ማእንታኹም ድማ እጽሊ፡ ሓዋርያዊ ቡራኬይ እውን እመሓላልፈልኩም” ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ምዕናው ከተማታት ብሰንኪ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ
ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ስጳያን ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ተባሂሉ ዝንገረሉ ዘሎ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ስጳይና ብርቱዕ ኣዕናዊ ምዕልቕላቕ ማይ ብፍሉይ ንዞባ ቫለንሽያ ብብርቱዕ ከም ዝሃሰየን ናይ ሓደ ዓመት ዝናም ኣብ ውሽጢ 8 ሰዓታት ጥራይ ክሃርም ዝተራእየሉን ኣብ ቀውዒ ዝዘንም ዝናም ልሙድ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ሃንደበታዊ ዕልቕልቕ ማይ ግን ንብዙሓት ካብ ትጽቢት ወጻኢ ከም ዝኾነን
ኣብ ጻዕርታት ኣድሕን ህይወት ንምሕጋዝ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ከም እተዋፈሩን ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ መስመር ባቡራት ተቛሪጹን ኣብያተ ትምህርትን ቤተ መዘክርን ተዓጽዮም፤ ኣሽሓት ኣብ ከባቢታት ቫለንሲያ ብዘይ ጸዓት ኤሌክትሪክን ማይን ከም ዝተረፉን ብካሪታስ ዝጽዋኦ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲን ማሕበር ግብረ ሰናይ ጨንፈር ስጳይና ምስተን ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ትካላትን ሃገረ ስብከታትን ብምትሕብባር ነቶም ዝተመዛበሉ ንምድጋፍ ኣበርቲዑ ይዓዪ ከም ዘሎን መራሔ መንግስቲ ስጳይና ፐድሮ ሳንቸዝ ፐረዝ ካስተኾን ካብ 31 ጥቅምቲ ዝጅምር ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ብወግዒ ከም ዝኣጀ ዜና ቫቲካን ይሕብር።