ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ታሕሳስ ናብ ኮርሲካ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ታሕሳስ ናብ ኮርሲካ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ታሕሳስ ናብ ኮርሲካ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሰበኻ ኣጃቺዮ ዝተዳለወ ኣህጉራዊ ጉባኤ ህዝባዊ ሃይማኖታዊ ትውፊታት ንኸዛዝሙ ዕለት 15 ታሕሳስ ናብ ደሴት ማእከላይ ባሕሪ ፈረንሳ ኮርሲካ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንመበል 47 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ወጻኢ ሃገራትን ንመጀመርታ ግዜ ናብ ደሴት ማእከላይ ባሕሪ ፈረንሳን ኮርሲካ ክገሹ ምዃኖም ዕለት 23 ሕዳር ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማቴዮ ብሩኒ ኣተሓሒዞም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይቲ ከባቢ ሰበ ስልጣንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት መራሕትን ተዓዲሞም ነቲ ብናይቲ ከባቢ ሰበኻ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ደሴት ኣጃቺዮ ዝተዳለወ ኣህጉራዊ ጉባኤ ህዝባዊ ሃይማኖት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንምዝዛም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ከም ዝኾኑ የመላኽቱ።

መስቀላዊ መንገዲ ባህልታት

ኮርሲካ ዋላ ሓደ ርብዒ ህዝቢ. ጥራይ ዘለዋ እውን እንተኾነት ድሕሪ ቆጵሮስ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝዓበየት ራብዓይቲ ደሴት ክትከውን እንኮላ፡ ዓዲ ናይቲ ሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ፍሉጣት ሰባት ዝኾነ ናፖልዮን ቦናፓርት ብምዃና እውን ኣዚዩ ኣብ ታሪኽ ዓለም ፍልጥቲ ደሴት እያ።

ኮርሲካ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኢጣልያን ደቡባዊ ገማግም ፈረንሳን እትርከብ ኣኽራን ዝበዝሖ ዞባ ንዘመናት ዝኣክል ከም ር.ሊ.ጳጳሳዊት ደሴት፡ ናይ ኢጣሊያ ሪፓብሊካውያን ፒሳን ጀኖዋን ከምኡውን ፈረንሳ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ባህልታትን ሓይልታት መዲተራነያን እተራኽብ መስቀላዊ መገዲ ተባሂላ እትግለጽ፡ ኣብ 1769 ዓ.ም. ድሕሪ ብርቱዕ ተቓውሞ ንናጽነት ኮርሲካ፡ ፈረንሳ ናብ ግዝኣታ ከም ዝሓወሰታ ይፍለጥ።

እታ ኻብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ብዙሕ ሰብ ዘይነብራን ብቐዳምነት ብቝጠባ ገጠራትን ብጉስነትን እትልለ ዝነበረት ሎሚ ብቍጠባ መስህብ በጻሕቲ ዝጸንዐ ኮይኑ ብተፈጥሮኣዊ ጽባቐኣ ፍልጥቲ ከም ዝኾነትን፡ ኮርሲካ ሳላ ባህሊ ኢጣልያን ሳላ እቲ ኣብ ማሕበረሰብ እተመስረተ ማሕበራዊ መዋቕርን ብዛዕባ ርእሰ ምሕደራን ክፉትነትን ዘተን ዝብሉ ፍሉይ ባህላውን ልምድታታን ዘጉልሕ መንነታ ዓቂባ ዘላ ደሴት ምዃኑ ይንገር።

ኣበርክቶ እምነት ካቶሊክ ኣብ መንነት ኮርሲካ

ሰበኻ ኣጃቺዮ ንመላእ ግዝኣት ኮርሲካ ዝሽፍን ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ርእሰ ሰበኻታት ርእሰ ምሕዱር ሰበኻ እዩ። ሎሚ እታ ሃገረ ስብከት ብስጳናዊ ተወላዲ ካርዲናል ፍራንሷ - ኻቪየር ቡስቲሎ እትምራሕ ኮይና፡ ብዝሒ ካቶሊካውያን 277,000 ከም ዝኾነን እዚ ድማ ካብ 340,000 ጠቕላላ ህዝቢ እታ ደሴት 81.5% ዝውክል ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ካቶሊካውነት ኣብ ሕብረተሰብ ኮርሲካ ኣገዳሲ ቦታ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ነቲ ፍሉይ ባህላዊ መንነት እታ ደት ኣብ ምቕራጽ ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ኣመላኺቱ፥ እዚ ድማ ኣብተን ብዙሓት ውሽጣዊ ዓድታታ ፋሕ ዝብላ ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያናትን ሱር ዝሰደደ ህዝባዊ ተወፋይነትን ከምኡ’ውን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ትውፊት ሕውነትን መርትዖ እዩ።

ህዝቢ ኮርሲካ ንቅድስት ድንግል ማርያም ብርቱዕ ተወፋይነት ዘለዎ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ናይታ ደሴት ሃገራዊ መዝሙር ንቕድስቲ ድንግል ማርያን ዝተወፈየ እዩ። ሃይማኖታዊ በዓላትን ዑደታትን ንግደታትን ሎሚ እውን ዋላ እኳ ከተማነትን ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዝረኣየላ ማሕበረ - ቁጠባዊ ለውጥታትን እንተሃለወ፡ ሎሚ እውን ንማሕበራዊ ህይወት ኮርሲካውያን ማእከል ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ዋዕላ ህዝባዊ ሃይማኖታዊነት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ

ብሰበኻ ኣጃቺዮ ዝተዳለወ ኣህጉራዊ ጉባኤ ህዝባዊ ሃይማኖታዊ ትውፊታት ካብ ዕለት 14 – 15 ታሕሳስ ዝካየድ ኮይኑ እቲ ቦታ ካብ ፈረንሳ፡ ኢጣልያን ስጳይናን ዝመጹ ወከልቲ ናይቲ ከባቢ ካቶሊካውያን ማሕበረሰባት ዘሳትፍ፥ ሃብታም እምነት ህዝባዊ ሃመንፈሳውነት ኮርሲካ ምስ ተመሳሳሊ ልምድታት ኣብ ካልኦት ዞባታት ማእከላይ ባሕሪ፡ እንኮላይ ደሴታት ኢጣሊያ ሲቺሊያን ሳርደይናን ዘራኽብ ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መደብ ናይቲ ምብጻሕ

ብመሰረት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ መግለጺ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ታሕሳስ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርት ንግሆ ሰዓት 07፡45 ደቓይቕ ክነቕሉ ሰዓት 09፡0 ኣብ ኣጃቺዮ መዓርፎ ነፈርቲ ክበጽሑ ከም ዝኾኑ ክፍለጥ እንከሎ፡  ሰዓት 10፡15 ነቲ ዓውደ ጉባኤ ብዘስምዕዎ መደረ ከዛዝሙን ኣስዒቦም ናብ ካቴድራል ፍልሰታ ለማርያም ብምኻድ ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ሰብ ውፉይ ህይወትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ክራኸቡን ድሕሪ ዝለግስዎ ቃለ ምዕዳን ብሓባር ጸሎተ መላኣከ እግዚኣብሔር ከዕርጉን ሰዓት 17፡30 ምስ ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣጃቺዮ ክራኸቡን ልክዕ ሰዓት 18፡15 ተሰናቢቶም ልክዕ ሰዓት 19፡05 ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ፊውሚቺኖ ክበጽሑ ምዃኖም ኣፍሊጡ፣

ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መለለይን መርሕ ቃልን

ናይቲ ዘካይድዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል ካብ ግብረ ሃዋርያት ምዕ. 10፡ 38 ዝተወስደ “Jésus passa en faisant le bien - ሰናይ እናገበረ ይጓዓዝ ነበረ" ዝብል ኮይኑ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኮርሲካ ንቤተ ክርስቲያን ከም ዝበጽሕ ዘዘኻኽር ናብ ህዝቡ ዝኸይድ ጓሳ ዘመላኽት ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

25 November 2024, 15:48