2024.10.31 ፍራንቸስኮ፡ ብፍቕርን ብኣጠማምታ ኢየሱስን መሃሩ 2024.10.31 ፍራንቸስኮ፡ ብፍቕርን ብኣጠማምታ ኢየሱስን መሃሩ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ፍራንቸስኮ፡ ብፍቕርን ብኣጠማምታ ኢየሱስን መሃሩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 ጥቅምቲ ኣብ ቫቲካን ምስ ካቶሊካዊ ተግባር ምንቅስቓስ ትምህርታዊ ተወፋይነት መበል 11 ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ምንቅስቓስ ብዘፍቅራ የዕንቲ ክርስቶስ ክምህር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ካቶሊካዊ ተግባር ምንቅስቓስ ትምህርታዊ ጽምዶ (MIEAC) መበል 11 ሕታም ሃገራዊ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ምምሃራን ኣባላት እቲ ምንቅስቓስ ንቕድሚት ክስጉሙን ተስፋ ከይቆርጹን ኣተሓሳሲቦም፡ "ብዘይ ፍቕሪ ክትምህር ዘይከኣል እዩ . . . ወትሩ ብፍቕሪ ምህሩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣጠማምታን ልብን ኢየሱስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያ ሃገራዊ ካቶሊካዊ ተግባር ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራት ኣብ ምህናጽ ዝገብሮ ተወፋይነት ገኣመስጊኖም፣ እቲ ምንቅስቓስ ሎሚ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝገብሮ ዘሎ ተወፋይነት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብድሆታት ከምዘጋጥሞ ተዓዚቦም፥ "ምምሃር - ከምቲ ኣጸቢቕኩም እትፈልጥዎን እትመስክርዎን - ልዕሊ ኩሉ፡ ንማእከላይነት ናይቲ ሰብ ዳግማይ ምርካብን ዋጋ ምሃብን ማለት'ዩ" . . . ብፍላይ ኣብቲ ክብሪ ህይወት ወዲ ሰብ ዕግበት ዝረኽበሉን ዝዓብየሉን ትኽክለይና ቦታን ዝረኽበሉ ዝምድናታት" ከም ዝበሉ ኣመላኺቱ፥ ውጥን ትምህርቲ ካቶሊካዊ ተግባር፡ ብዝተዋደደን ስርዓታውን ራእይ ትምህርታዊ ተልእኾ ከም ዝምዕብል ኣዘኻኺሮም፡ በዚ መንጽር ድማ ነዚ ዕማም እዚ ብፈጠራ ምውፋይን ንምልክታት ዘመን ኣቓልቦ ብምሃብን ብፍላይ ከኣ ነቲ ሃይማኖትን ስነ - ምግባራዊ ስርዓታትን ሓሳባትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ግምት ብምእታው ብወንጌል ክበርሁ ከም እተማሕጸኑ ኣፍሊጡ።

ዕዮ ገዛ ንዓመተ ኢዮቤል

ንዝቕጽል ኢዮቤል ንቕድሚት እናጠመቱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ካቶሊካዊ ተግባር ምንቅስቓስ ትምህርታዊ ተወፋይነት፥ "ንህጻናት፡ መንእሰያትን ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑን ፍሉይ ኣቓልቦ ሃቡ . . . ነዚ ድማ ብምትእምማን"፡ "ብርህራሄ"፡ ከምኡ'ውን "ኣጠማምታን ልብን ኦየሱስ" ብዘርእይ ተግባር ክኸውን ተማሕጺኖም፥ ህጻናት መንእሰያት "ናይ ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ህሉውን መጻእን" ስለዝኾኑ፡ ምስናዮም፡ ምድጋፎም፡ ምትብባዕ፡ ብኣብነትና ኣቢልና ከነርእዮም ዕማምና እዩ - ምሉእ ብምሉእ ትምህርታዊ ዕማም ​​እዩ።" ናብ 'ኩሎም ኣሕዋት' ምዃን ዝመርሕ ቅኑዕ መንገዲ" ከም ዝበሉን፥ ኣተሓሒዞም . . .  ሎሚ ብዙሕ ህጹጽ ጕዳያት የጋጥመና ኣሎ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ህጹጽ ዝዀነ ጕዳያት ግን "ዓብዪ ልቢ ዘለዎም መምህራን፡ ኣብ ማእክል እቲ ዘሎ ሕልኽልኻት ንጥቕሚ እቶም ዝከናኸንዎም ቈልዑን መንእሰያትን ዓበይትን" ማእከል ምግባር እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡

ተሳትፎ መንእሰያት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ኣባይቲ ስድራ፡ መምህራን፡ ማሕበራዊ መራሕቲ፡ ዓለምቲ ስፖርት፡ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ፡ ካህናት፡ ገዳማውያን፡ ህዝባዊ ትካላት፡ ከምኡ’ውን ባዕሎም መንእሰያት ምትሕብባር ክህሉ ኣተሓሳሲቦም፥ መንእሰያት ኣብ መስርሕ ትምህርቲ "ክሳተፉ ኣለዎም፡ ንጡፋት ክኾኑ ኣለዎም"፡ "ፈጺሞም ተቐበልቲ ክኾኑ የብሎምን” ምስ በሉ፥ እቲ ምንቅስቓስ ንሰብ ብሓቂ ኣብ ማእከል ዘቐምጥ፣ ዋጋኡን ክብሩን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእቱ ትምህርቲ ንምድንፋዕ ተወፋይነቶም ብምሕዳሶም ኣመስጊኖም። ኣብ ጻዕርታቶም ንቕድሚት ክኸዱ ብምምሕጻንን ንኣማላድነት ናይቲ "ተኣማንነት ዘለዎ መምህርን ምስክርን" ከምኡ'ውን ንክርስትያን መምህራን "ኣብነት" ዝኾነ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ጁሰፐ ላዛቲ ነቲ ምንቅስቓስ ሓደራ ብምሃብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 November 2024, 14:30