መዓልቲ ድኻታት፦ ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ 1300 ድኻታት ናይ ምሳሕ መደብ የዳልዉ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ዓለምለኻዊት ቤተ-ክርስትያን ኰይኖም መዓልቲ ድኻታት ኣብ ዘኽብሩሉ ምስ ገለ ድኻታትን መሳኪንን ከተማ ሮሜ ናይ ምሳሕ መደብ ምክያድ ልሙድ ዀይኑ ኣሎ።
ኣብዛ ዓመት እዚኣ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ካብ 2017 ዓ.ም. ካብ ዝመስርትዎ ኣትሒሶም ንሻምናይ ንመበል ሻምናይ ዓመት መዓልቲ ድኻታት ዘኪሮም ክውዕሉ ኢዮም፣ ልዕሊ 1,300 ዝዀኑ ድኻታት ድማ ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ምሳሕ እንግዶት ኪሓብሩ ኢዮም።
ውጥን ሓገዝን ተስፋን
ኣብዛ ዓመት እዚኣ ውን ኣብ ሳልሰይቲ ሰንበት ናይ ወርሒ ሕዳር ተዘኪሩ ክውዕል ኢዩ፣ በቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝምራሕ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድማ ብወግዒ ክትጅምር ኢዩ ።
ይኹን እምበር ቀቅድሚ መሥዋዕተ ቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 13 መፋትሕ ክባርኹ ኢዮም፣ ነፍሲ ወከፎም እዞም መፋትሕ ከኣ ምሳሌ ናተን ማሕበር ቪቸንሳውያን ዝምስርትዎ ዘለዉ ውጥን "13 ኣባይቲ" ኣብ ዓሰርተ ሰለስተ ሃገራት ዝውክል ክኸውን ኢዪ ። እዚ ውጥብ እዚ ኣብ ዓሰርተ ሰለስተ እተፈላለያ ሃገራት ንጽጉማት ሰባት ሓድሽቲ ኣባይቲ ኣብ ምህናጽ ዘጠቓልል ኢዩ ። ኣብኡ ድማ እተፈላለየ ናይ ግብረ-ሰናይ ተበግሶታት ክግበር ዝፍጸመሉ ኢዩ፣ ንኣብነት ነተን ትሑት ኣታዊ ዘለወን ስድራቤታት ዝኸውን ወጻኢታት ንምሽፋን ምስ ምእመናን ብምርኻብ ዝኻይድ ክኸውን ኢዩ። ሓንቲ ኻብተን ነዚ ሓድሽ ውጥን እዚ ሓንጐፋይ ኢለን ካብ ዝተቐበላ ሃገራት ሶርያ እያ ፣ ሃገረ ሶርያ በቲ ንዕስራ ዓመታት ዝቐጸለ ኣዕናዊ ውግእን ሳዕቤናቱን ክትሳቐ እንከላ ብመብዛሕትኡ ናይ ምዕራባውያን መራኸቢ ብዙሓን ተረሲዓ ዘላ እያ ።
ፖለቲካ ስለምታይ ኢዩ ምኽንያት ድኽነት ዝኸውን ?
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ብ2024 ዓ.ም. ዝወጸት ንመዓልቲ ድኻታት ኣብ ዘመሓላለፍዋ መልእኽቶም፣ እቲ ብውግእ ዚምራሕ "ሕማቕ ፖለቲካ" ሓድሽ ድኽነትን ንንጹሃት ዜጋት ግዳያትን ከም ዝገብርን ገለጹ። ንዅሎም ደቂ ሰባት ምስ ድኻታትን ምእንቲ ድኻታትን ክጽልዩ ተማሕጸንዎም፣ ወለንተኛታት ነቶም ኣብ ከተማታትና ዘለዉ ድኻታት ንምግልጋል ውፉያት ምዃኖም ንምጕላሕ ድማ ኣምላኽ ንብኽያት እቶም እተሸገሩ ምላሽ ከም ዝህበሉ ኣጕልሑ።
ፍትሒ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ
ኣብዛ ዓመት እዚኣ ብፍላይ እቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳስት እተመርጸ ጭርሖ መዓልቲ ድኻታት ካብ መጽሓፍ ሲራኽ እተወስደ ዀይኑ "ጸሎት ድኻታት ናብ ኣምላኽ ይዓርግ" (ሲራኽ 21፡5) ዝብል ኢዩ። እዚ ጭርሖ እዚ ድኻታት ኣብ ልቢ ኣምላኽ ፍሉይ ቦታ ኸም ዘለዎም ዘጉልሕ ውን ኢዩ ። ጸሎቶም ይሰምዕ ፍትሒ ኽሳዕ ዚፍጸም ድማ ኣብ መከራኦም "ዓቕሊ ዘይብሉ" ይኸውን። መጽሓተ ሲራኽ "ቀልጢፉ ድማ ፍትሒ የውጽኣሉ" (21፡5) ይብል።
እዛ ዓለም ለኻዊት መዓልቲ ድኻታት ንቤተ-ክርስትያን ካብ መናድቓ "ወጻኢ" ክትከይድን ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ብእተፈላለየ መልክዕ ምስ ድኻታት ክትተሓባበር ውን ተተባብዕ። ኣብዚ ናይ ሎም ዓመት መዓልቲ ድኻታት ዝኻይድ መደብ ምሳሕ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ኢዮም ክገብሩ ዝደልዩ ዝለዉ ።
ነቲ ኣብ 17 ሕዳር ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምስታፍ ናጻ ቲከት ካብ 13 ሕዳር ኣትሒዙ ኣብቲ ኣብ ቪያ ኮንቺላስዮነ 7 ዚርከብ ወግዓዊ ነቝጣ ሓበሬታ ዓመተ ኢዮቤል ክርከብ ይከኣል እዩ።