ድለ

Papa Francesco firma la dichiarazione interreligiosa per la Cop28 - video del 3 dicembre 2023 Papa Francesco firma la dichiarazione interreligiosa per la Cop28 - video del 3 dicembre 2023 

ር. ሊ. ጳ.፦ ድምጺ ደቂ ኣንስትዮ 'ንሓባራዊ ረብሓ' ኣብ ምህናጽ ብዙሕ ኣበርክቶ ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ሕይወት ዝወደቦ ብዛዕባ "ሓባራዊ ረብሓ፡ ክልሰ-ሓሳብን ተግባራውነትን" ኣብ ዘርእስቱ ዘተ እተሳተፉ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም እቲ “ሓባራዊ ረብሓ” ዝብል ኣምር እምኒ መኣዝን ሕብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲአይን ብምዃኑ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንህይወት ዝምልከት ጕዳያት ወትሩ ኣብ ልብና ኽንሕዞ ኣሎና በሉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ብጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ሕይወት እተወደበን ብዕለተ 14 ሕዳር ኣብ ሃገረ ቫቲካን እተኻየደ "ዘተ ብዛዕባ ሓባራዊ ተብሓ፡ ክልሰ - ሓሳብን ተግባራትን" ናብ ዘርእስቱ ዋዕላ ኣብ ዝጸሓፍዋ መልእኽቶም፦

"ነቲ ሓደ ኻብቲ መሰረት ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያን ዝዀነ ሓባራዊ ረብሓ ዝብል ኣምር ምዝካር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ" ክብሉ ጸሓፉ።

ኣብቲ እተገብረ ዋዕላ ከም መኽፈቲ መደብ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ቪንሰንዞ ፓሊያ ኣቦ መንበር እዚ ጳጳሳዊ ተቅዋም ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ኣንበቡ። ብደድሕር’ዚ ኣብ መንበረ ጥበብ ሎንዶን እተገልግል ፕሮፌሰር ማሪያና ማዙካቶ ኣባል ጳጳሳዊ ተቅዋም ሥነ ሕይወትን ከምኡውን ናይ ሃገረ ባርባዶስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሚያ ሞትሊ ዘካየዳኦ ዘተ ቀጸለ።

እቲ ዘካየዳኦ ዘተ ሓድሽ ቍጠባ ሓባራዊ ጥቕሚ ምስ ጥዕናን ኣከባብን እንተላይ ምስ እተፈላለዩ ዓይነት ኣትክልትን ኩነታት ኣየርን ማይን መጻኢ ሰብኣዊ ምስትውዓልን ንዚተሓሓዘ ቍጠባውን ማሕበራውን ጸገማትና ብህጹጽ እተነድፈ ስጕምቲ ንምውሳድ ብኸመይ ከም ዚሕግዝ ኣብ ግምት ዘእተወ ኢዩ ዝነበረ።

በታ መዓልቲ እቲኣ ኣቐድም ኣቢሎም ቅዱስ ኣቦና ንቀዳመይቲ ሚኒስተር ሞትሊ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረብዋ ዝፍለጥ ኢዩ ።

ሓባራዊ ጥቕሚ ንምድንፋዕ ምትብባዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ ኣብ መልእኽቶም ነቶም ተሳተፍቲ ሰናይ ምንዮቶም ብምግላጽ ብዛዕባ ፍረ ነገር ሓባራዊ ረብሓ ኣብ እተፈላለየ ኣስተንትኖታት እዚ ጉባኤ እዚ እንተ ወሓደ ብኽልተ ምኽንያታት ኣገዳሲ ገይሮም ከም ዝርእይዎ ድማ ገለጹ ።

እቲ ቐዳማይ ብናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ሕይወት ዕቤት ዚግበረሉ ምዃኑ ውን ኣመልከቱ ገለጸ ።

"ንህይወት ወድሰብ ኣብ ኵሉ ከባቢታትን ኵነታትናን ብሓቂ ኽንሕልዎ ንደሊ እንተደኣ ዄንና፣ ነቲ ፍረ ነገር ህይወት እንተላይ ነቲ ኣብ ሥነ ሕይወታዊ ግብረ-ገብነት ዘሎ ኽትዕ ልምዳዊ ዝዀነ ነገራት ኣብቲ እዚ ተርእዮ እዚ ዝፍጸመሉ ማሕበራውን ባህላውን ኵነታት ከነእትዎ ኣይንኽእልን ኢና" ብምባል ምሕጽንታ ኣቕረቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምዚ ብምባል ውን ኣጠንቀቑ - "ንዅሉ ህልውናውን ማሕበራውን ባህላውን መዳያት ኣብ ግምት ዘየእቱ ንህይወት ዘዕቍበሉ መከላኸሊ ዘይረብሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ ኣብ ሥነ መለኮታዊ ኣተሓሳስባ ኸኣ ክኣቱ ይኽእል ኢዩ” በሉ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሓባራዊ ረብሓን ፍትሕን ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ "ንዅሉ ሰብኣዊ ህይወት ንምክልኻል ዚሕግዝ ማእከላይን ኣገዳስን መዳይ እዩ” በሉ፣ ብፍላይ ከኣ" ንብምሉኡ ስርዓተ ኣከባቦ ብዚምልከት ኣዝዩ ተነቃፊን መከላኸልን እዩ ። "

ማሕበረ ሰብኣዊ ግድነታት

ቅዱስነቶም እቲ ከነጽርዎ ዝደለዪ ኻልኣይ ነጥቢ ኣብቲ ኣጋጣሚ እተፈላለየ ሓላፍነታትን ድሕረ-ባይታን ዘለወን ክልተ ደቂ ኣንስትዪ ኸም ዚህልዋ ዚሕብር ምዃኑ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብ ሕብረተሰብ ኰነ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ድምጺ ደቂ ኣንስትዮ ኽንሰምዕ የድልየና እዩ" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም "ብዛዕባ መጻኢ ደቅሰብ ሰፊሕን ጥበባውን ኣስተንትኖ ኣብ ምምዕባል ንምትሕብባር እተፈላለየ ዓይነት ፍልጠት የድልየና ኢዩ" በሉ።

"ናይ ኵሉ ባህልታት ዓለም ድሌቶምን ጥሪቶምን ንኽበርክቱ ዘኽእሎም ሓቀይና ኣበርክቶ የድልየና ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ምዕራፍ 3 ናይታ “ኣኃው ኩልነ” እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ብዛዕባ ማሕበረ ሰብኣዊ ዘቅረብዎ ምትብባዕ "ክፉት ዓለም ክንሓስብን ክንፈጥርን" እንኽእል በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ምዃኑ ሓሳባቶም ኣካፈሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓዋሪት መለኽቶም “ኣኃው ኩልነ” ብምጥቃስ ኣድማሳዊ ሕውነት ብገለ መዳዩ "ንሓባራዊ ረብሓ እትንርድኣሉ 'ብሕታዊ' ምዉቕ መገዲ" ማለት "ፖለቲካዊ ሓሳባት ወይ ማሕበራዊ ውጥናት ጥራይ ዘይኰነስ ገጽን ዛንታታትን ሰባትን ዘለዎ ርክብ" ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።

እምኒ መኣዝን ማሕበረስብኣዊ ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያን

ኣብ ርእሲ እዚውን ቅዱስ ኣቦና እቲ ሓባራዊ ጥቕሚ "ልዕሊ ዅሉ" "ብሕውነት ተቐባልነት ብምርካብን ሓቅን ፍትሕን ንምርካብ ብሓባር ሃሰስ ብዝብምባል ተግባር ዝቘመ" ምዃኑ ዘከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ብምባል ውን ጓሂኦም ገለጹ - "ኣብዛ ብዙሕ ግጭታትን ምክፍፋልን ዘለዋ ዓለምና መብዛሕትኡ ግዜ ክንዮ ናይ ውልቀ -ሰባት ረብሓታት ክንጥምት ብዘይምኽኣልና ኢዩ ።

ኣብ ርእሲ እዚውን "ነዚ ፍረ ነገር እዚ ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነ ውጽኢታዊ መምርሒ ዝኸውን መሰረታዊ ስርዓት ምእንቲ ክኸውን ነዚ ፍረ ነገር እዚ ዝቕበሎን ዘማዕብሎን ድልዱል ቍጠባዊ ኽልሰ-ሓሳባት የድልየና ኢዩ" ከምኡውን "መብዛሕትኡ ግዜ ብቓላት ዝዛዘም መደባት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ግብሪ ምዓል እውን ዕሽሽ ተባሂሉ ኢዩ" ብምባል ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ብምክፋልን ምእንቲ ቅዱስነቶም ክጽልዩ ብምዕዳምን መልእኽቶም ዛዘሙ ።

15 November 2024, 14:52