ድለ

2024.11.05 Pontificia Universita' Gregoriana - Incontro con la Comunita' Accademica 2024.11.05 Pontificia Universita' Gregoriana - Incontro con la Comunita' Accademica  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንበረ ጥበብ ግሪጎርያን፦ ምሁራት 'ለመንቲ ፍልጠር' ኪዀኑ ኣለዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኻብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ እተሃንጸ ኣብ ቀረባ እዋን ዳግመ ውዳበ ዝገብረ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግሪጎርያን በጺሖም፣ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ኣብ ዓለም ዘለዎ ተልእኾ ድማ ኣስተንተኑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ትምህርቲ እዚ እቲ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ብቅዱስ ኢግናጽዮስ እተመስረተ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎሪአን ዝስመ ውሩይ ናይ ኢየሱሳውያን መንበረ ጥበብ ምስቲ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ቅዱስ መጽሓፍን ጳጳሳዊ ተቕዋም ምብራቓውያን ተጠርነፈ ይርከብ ኣሎ ።

ትማሊ ሰሉስ ዕለት 5 ሕዳር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ከም ብሓድሽ ዳግመ ውደባ ዝገብረ ተቕውማ ከይዶም ምስ ክፍልታት መጽናዕትን ሰራሕተኛታትን ተማሃሮን ብምርኻብ ነዊሕ  ስልጣነ ኣስተምህሮኣዊ  መደረ ኣቕሪቦም  ።

ናብ መበቈል ምምላስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘቕረብዎ መደረ ኣብ ማእከል መበል 16 ክፍለ ዘመን ሮሜ ኣብ ኣፍ ደገ ገዛውቲ ኢየሱሳውያን ሰቒሉ ዝነበረ ምልክት ኸም ዚሕብሮ ኣስተንተነ ። እዚ ተቕዋም ኣብ ሓደ እዋን ሮማዊ ተቕዋም ዝነብረ ጸኒሑ ግና መንበረ ጠበብ ግረጎሪያና ዝኾነ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ምልክት "ቤት ትምህርቲ ሰዋስውን ሰብኣውነትን ሰረተ እምነት ክርስትናን" ዚብል ነበረ።

እዚ ቅዱስ ኣቦና ዝጠቐስዎ ምልክት “ቤት ትምህርቲ ቋንቋን ሰብኣውነትን ከምኡ ክርስቲያናዊ ዓንቀጽ እምነት” ዝብል ኢዩ ዝነበረ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብዚ ተራ ምልክት እዚ ሎሚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል ? ክብሉ ሓተቱ። እቲ ቐዳማይ ትምህርቲ ካብቲ ኢየሱሳውይን ንሥነ መለኮታዊ ፍልጠት ምስ ሰብኣውነት ብምጥማር ዘቕረብዎ ኣርእስትታት ትምህርቲ  ምዃኑ ዝብል ሓሳብ ኣቕረቡ። ሎሚ እዚ ጽሑፍ እዚ "ንሃይማኖታዊ ስነ-ፍልጠት ሰብኣዊ ንምግባር ነቲ ኣብ ደቅሰብ ዘሎ ብልጭታ ጸጋ ንምልዕዓልን እንደገና ህያው ንምግባርን" ዝቐረበ ዕድመ ምዃኑ ሓሳብ ሃቡ።

እቲ ኻልኣይ ትምህርቲ ኸኣ እዚ ትምህርቲ እዚ ብናጻ ዝወሃብ ከም ዝነበረ ዘመልክት ከም ዝነበረ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም እዚ ለጋስነት እዩ ብምባል "እዚ ድማ ናብቲ ዝስደምም ኣምላኽ ይኸፍተና... ብለጋስነት ምስትምሃር እዚ ድማ ብዕቤት ዝሕጐስ ከምኡውን ጽንሰ ሓሳት ዘስፍሕ ኢዩ።"

'ለመንቲ ፍልጠት'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል እውን ኣብ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ትሕትና ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም ።

ንነዊሕ እዋን "እዚ ቅዱስ ስነ ፍልጠት ንኻልኦት ብምንእኣስ እዩ ዚርእዮም ዝነበረ " በሉ ፣ እዚ ኸኣ ናብ "ብዙሕ ጌጋታት" ከም ዘምርሕ ኣጕልሑ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ሕጂ መምህራን ቤተ ክርስትያን ትሑታት ኪዀኑን ኵሉ ነገር ከም ዘይንፈልጥ ኣፍልጦ ኺህቡሉን ኣለዎም ። እዛ ዓለም እዚኣ እተሓላለኸት ዓለም ኢያ፣ ምርምር ምግባር ድማ ናይ ኵሉ ሰብ ውጽኢት ዝሓትት ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም እቲ ዘድሊ መናብርተ ጥበብ "ካብ ደረጃ ሥልጣናዊ ናብ ጐድኒ ጐድኒ ዘሎ ሰደቓታት ክሰጋገሩ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንበሰላታት ታሪኽ ብምትንካፍ ፍልጠት ንምርካብ ዝልምን" ኢዩ በሉ።

ዝሰፍሐ ራእይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ ዳግመ ውደባ ጳጳሳዊ መንበር ጥበብ  ግሪጎርያና እንከስተንትኑ እዚ ጕዳይ እዚ "ዳግመ ስርርዕ ምሕደራ ጥራይ" ዘይኰነስ "ንተልእኾኹም እንደገና ናይ ምግላጽ ኣጋጣሚ" ኪኸውን ተስፋ ብምግባር ከም ዝሰመሩሉ ገለጹ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሰራሕተኛታት እዚ መንበረ ጥበብ "ኣብ ዓለምን ኣብ ቤተ-ክርስትያንን እንታይ ይግበር ከም ዘሎ" ዝሰፍሐ ኣረኣእያ ከይሓዙ ንገዛእ ርእሶም ኣብ "ምትሕውዋስን ምጥርናፍን ምዕጻውን" ጌሮም ጥራይ ከይሕጸሩ ኣጠንቀቕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ "ግዛእ ርእስኹም ብዛዕባ እዚ ትሓትዋ ዶ ? ናበይ ከም እንኸይድ ክንፈልጥን ንኣድማስ እውን ክትርስዖ የብልናን" ክብሉ ውን መደረኦም ዛዘሙ።

07 November 2024, 09:59