ር. ሊ. ጳ.፦ 'ንድኻታት ምሕጋዝ ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ምምስካር ኢዩ'
ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ረቡዕ ንግሆ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምስታፎም ምስ ተወከልቲ ዕምባባታት ኖተር-ዳም ዘቅዱስ ኣብሪ ከምኡውን ምስ ማሕበር መፍቀርቲ ጋብሪኤል ሮሰት ተራኺቦም። እዘን ኣብ ልዮን ዚርከባ ኽልተ ናይ ፈረንሳ ካቶሊካውያን ትካላት ንግዳም ሓደር ኣብ ምሕጋዝን መዕቈቢ ኣብ ምሃብን እጃመን ዘበርክያታ ኢየተን።
እታ ዕምባባታት ኖተር-ዳም ዘቅዱስ ኣብሪ (መዕቈቢ ናይታ እኖ ግዳም ሓደር እመቤትና) ኣብ መፋርቕ 20 ክፍለ ዘመን ጋብሪኤል ሮሰት ዚበሃል ፈረንሳዊ ካቶሊካዊ ምእመንን መምህርን እተመስረተት እያ።
ብ2023 እቲ መዕቈቢ ነቶም ኣብ ደቡባዊ ኽፍሊ ሮን ዝነበሩ 8360 ሰባት ሓልዮት ኣፈየትሎም ። እዚ ማሕበር እዚ ሎሚ ልዕሊ 1,000 ወለንተኛታትን 420 ሰራሕተኛታትን ዝሳተፉሉ ማሕበር እዩ ።
ናይ ኣምላኽ ቅርበትን ድንጋጽን ርሕራሐን ምምስካር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን ነቶም ኣባላት እዘን ማሕበራት፣ ነቶም እተገለሉ ንምሕጋዝ ዝገበርዎ ቐጻሊ ተወፋይነት ብውዕዉዕ ስምዒት ኣመስገንዎም፣ እዚ ድማ ንሰለስተ ባህርያት ኣምላኽ ጭቡጥ ምስክርነት ከም ዝህብ ገለጹ - "ቅርበትን ድንጋጸን ከምኡ ውን ለውሃት ። "
እቲ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኣብ መበል ሓምሳ ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቱ ዝዝከር ዘሎ ፕሮፌሰር ሮሰት ንድሌት እቶም "ድኻታት" ብትብዓትን ብእምነትን ብምምላእ ዓሚቝ ድንጋጽ ከም ዘርኣየ ውን ዘከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንድኻታት ምሕጋዝ ምስ ተልእኾ ምሕረት ተሰማሚዕካ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን "ቅዱስ ተግባር" ምዃኑ ብምግላጽ "ብኽያት ድኻታት ሰሚዑ ናብ ካልእ ገጹ ኣይመለሰን ኣዒንቱ እውን ኣይዓጸወን" በሉ።
"(ገብርኤል ሮሴት) ክርስቶስ ኣብ ድኻታት ከም ዘሎ ብኸመይ ከም እነለልዮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እዮም። 'ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዚ ዝተሓተ ሓውና ክርስቶስ ኣብኡ ኸም ዘሎ' ወትሩ ንዘክር።
ኣብዛ ብዘይምግዳስ እተበላሸወት ዓለም ሰብኣዊ ኽብረት ድኻታት ምምላስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደረኦም ንኣባላት እዘን ማሕበራት ኣብነት ሮሴት ብምስዓቦም ነኣድዎም፣ እዚ ኸኣ ነቶም ግዳም ሓደር ስጋዊ ደገፍ ማለት መጽለልን ምግብን ሕያውነትን ብምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብዛ ንስቓይ ደቂ ሰባት ግዲ ዘይብላ ዓለም ክብሪ ወድሰብ ከም ዚምለስ ብምግባር እዩ።
ተልእኾኦም ኣብ ትሕቲ ዕቝባ እታ ንዅሎም ሓንጐፋይ ኢላ እትቕበሎም ኣእዳዋ ኸም መዕቈብን ትጽቢት ዚግበረሉ ነገራትን እረካፍልን ከምኡውን ካብ ስቓይ ደቅሰብ ዘይትርሕቕ "ድንግል ምሕረት" ማርያም ምምሕጻን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሑ።
ኣብነት ርሕራሐ ማርያም ምስዓብ
"ምሕረትን ርሕራሐን ሕውነትን ግሉጽነትን ምዝርጋሕ፣ ኢድካ ውን ምዝርጋሕ ከምኡውን ነቲ ናይ ምብኻን ባህሊ ምንጻግ" ዝብል ሓሳባት ብምልጋስ ቅዱስነቶም "ቤተ-ክርስትያን ኣምላኽ ንዅሎም ደቁ ለውሃት ከም ዘርኣዮም ዜርኢ ህያው ምልክት እያ እትኸውን" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ቃለ ምዕዳኖም ነቲ ዕምባባት ኖተር-ዳም ዘቅዱስ ኣብሪ ዝገብርዎ ሰባት ክብረቶምን ተስፋኦምን ንኽረኽቡ ስለ ዘኽእሎም ከም "ህያው ምስሊ" ናይ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ገይሮም ብምግላጽ ነኣድዎም ። ከምዚ ድማ በሉ - "ምሳስኣታቶም ብምህላውኩምን ጽን ኢልኩም ብምስማዕኩም ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስን ክርስቶስን ምስ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብፍላይ ከኣ ምስቶም ብዙሕ ግዜ ዚርሳዑ ካብ ምግጕዓዝ ከም ዘየቋርጹ የርኢ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ ንኣገልግሎቶም ኣብታ "ንዓኻትኩምን ንዅሎም እቶም እተሰንይዎም ሰባትን እተሓልየልኩም ናብ ጸሎት እኖና ቅድስቲ ንድንግል ማርያም ኣማሕጽነኩም" ብምባል ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።