ር.ሊ.ጳ. ኩሎም ኣመንቲ ኣብዛ ብኑክሌራዊ ኲናት ኣብ ሓደጋ ዝወደቐት ዓለም ንሰላም ክሰርሑ ይሓቱ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዛ “ብጽልኢ፡ ብዓመጽ፡ ውግእን ዝተገማመዐትን ስግኣት ኑክልየሳዊ ግጭትን ዘለዋ ዓለም” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንኹሎም ኣመንቲ እግዚኣብሔር ሰላም “ንዘተን ዕርቂን ሰላምን ምእንቲ ኩሉ ሰብኣውነት ድሕነትን ዘይነጻጸል ምዕባለን ክጽልዩ ዕለት 20 ሕዳር ነቶም ንግሆ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ተሄራን ናይ ዝርከብ ማእከል ውስጠ ሃይማኖታውን ውስጠ ባህልን ዘተ” ኣብ ዝተኻየደ መበል 12 ናይ ሓባር ዓውደ ዘተ ዝተሳተፉ ተቐቢሎ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥
ነቲ እቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ መርሕ ቃል ብምድጋፍ . . . "እቲ ብሓባር ከነርእዮም እንኽእል ሰላም ኣብ ኣዒንቲ ዓለም ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ ዝመጽእ ወለዶታት ተኣማንነት ክህልወና ይገብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጥ።
ናይ ዘተ ባህሊ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ብናይ ሓባር ዘተ ዝተራእየ ነዊሕ ዝጸንሐ ምትሕብባር ክልቲኦም ኣካላት ኣድናቖቶም ገሊጾም፣ እዚ ድማ ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ ዘተ ባህሊ ዘዕቢ ምዃኑ ኣመልኪቶም። ናይ ተሄራንን ኢስፓሃንን ሊቀ ጳጳሳት ዶሚኒክ ጆሴፍ ማቲዮ ናብ ጉባኤ ካርዲናላት ክብ ንምባል ዝወሰድዎ ውሳነ እውን ኣመልኪቶም፣ እዚ ውሳነ እዚ “ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢራን ዘለዎም ቅርበትን ሓልዮትን ዝገልጽ፣ ብግዲኡ ድማ ንመላእ ሃገር ዘኽብር እዩ” ቢሎም “ህይወት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢራን፡ ንእሽቶ መጓሰ፡ ንልበይ ኣዝዩ ቀረባ እዩ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ “ንክርስቶስ ኣብ ምምስካርን ኣበርክቶን እናጸንዐት፡ ብጽሞና፡ ነቲ ዘጋጥማ ብድሆታት እትብድህ ምዃና ከም ዝፈልጥዎ ገሊጾም፡ ግን ከኣ ንዅሉ ሃይማኖታዊ፡ ብሄራዊ ወይ ፖለቲካዊ ኣድልዎ እናነጸገት፡ ንሰናይ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ እተገልግል እያ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስድራቤት: እቲ ቀዳማይ ቦታ ትምህርቲ
እቲ ናይቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ መርሕ ቃል ክኸውን ዝተሓርየ፥ “ትምህርቲ መንእሰያት ብፍላይ ኣብ ስድራቤት፡ ንክርስትያንን ኣስላምን ብድሆ ምዃኑ” ባህ ዘብል ኣርእስቲ እዩ! ስድራ ቤት፡ ንዕሸል ህይወት ቀዳመይቲ ቦታ ትምህርቲ እያ!”
"ኣብ ስድራቤት ኢና ቀዳሞት ስጉምትታትና እንወስድን ንኻልኦት ክንሰምዕ፡ ኣፍልጦ ክንህቦምን ከነኽብሮምን፡ ክንሕግዞምን ኣብ ነንሕድሕድና ብስኒት ክንነብርን እንመሃር" . . . ሓደ ሓባራዊ ባእታ ናይ ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ ልምድታትና ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣብ ትምህርቲ መንእሰያት ዝገብርዎ ኣበርክቶ ዓቢይ ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ኣብቲ ብዋጋ ዘይሽነን ምስክርነት ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ንዕብየት መንእሰያት ዘለዎ፣ እምነት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ መንጎ ኣባላት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝቐውም ሓዳር
ነቲ ናይቲ ዘተ ቀዉም ነገር ጠቒሶም፥ "እቲ ብሓባር ከነርእዮም እንኽእል ሰላም ኣብ ኣዒንቲ ዓለም ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ ዝመጽእ ወለዶታት እሙናት ይገብረና” ቢሎም፥ ሓዋርያዊ ምዕዳን Amoris Laetitia - ናይ ፍቕሪ ሓሴት ብምጥቃስ “ከምዚ ዝኣመሰለ ስድራቤታዊ ምድላዋት ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ንዝግበር ዘተ ፍሉይ ዕድል ዘለዎ ቦታ ከም ዝውክል ምርኣይ ቀሊል እዩ” ኣብ ገለ ሕብረተሰባት ምድኻም እምነትን ሃይማኖታዊ ኣሰራርሓን ኣብቲ ብቕልጡፍ ዝቕየር ዓለም ዝጽለዋ ስድራቤታት ቀጥታዊ ጽልዋ ከምዘሕድር ኣስተብሂሎም፥ “ትምህርታዊ ተልእኾኣ ብዝበለጸ ንምፍጻም፡ ስድራቤት ካልኦት ትካላትን ሓዊስካ ናይ ኣባይቲ ትምህርትን መንግስትን ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ምሉእ ደገፍ ብሓፈሻ ናይ ኩሉ ሰብ የድልያ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምስ ምሉእ ሰብኣዊ ስድራቤት ርክብ
ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ “ካብቲ ዝፈልጦ ኣተሓሳስባን ተግባርን ክንወጽእ፡ ኣብ ውሽጢ ዓባይ ሰብኣዊ ስድራቤት ድማ ንኽንራኸብ ክፉት ንምዃን የኽእለና” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፥ ይኹን እምበር፡ ዘተ ፍረ ንኽህልዎ፡ “ክፉት፡ ቅንዕና፡ ኣኽብሮትን፡ ምሕዝነተን ጭቡጥ ክኸውን ኣለዎ” ምስ በሉ፥
ናይ ሕልናን ሃይማኖትን ናጽነት
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰይ ወለዶ ኣብ እንምህረሉ እዋን “ንኽብርን መሰልን ነፍሲ ወከፍ ሰብን ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብን ነፍሲ ወከፍ ህዝብን ክንዛረብን ክንሰርሕን ፈጺምና ክንደክም የብልናን” እንክብሉ ምዒዶም፣ ናይ ሕልናን ናይ ሃይማኖትን ናጽነት “እቲ... እምነ ኩርናዕ ናይ ምሉእ ህንጻ ሰብኣዊ መሰላት እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።