Smoke rises from North Gaza, as seen from Ashkelon Smoke rises from North Gaza, as seen from Ashkelon 

ር. ሊ. ጳ፦ ኣብ ጋዛ ጃምላዊ ቕትለት ይፍጸም ከይህሉ ይምርምሩ፣ ንሰብኣዊ ክብሪውን ይጣበቑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ንዓመተ ኢዮቤል 2025 ዝጸሓፍዋ መጽሓፍ ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎ ጕዳያት የገልጹ ፣ ገለ ኻብዚ ጕዳያት እዚ ስቓይ ውግእን ጥሜትን ሕዝቢ ፍልስጤም እዩ ። ንሰብኣዊ ኽብረት ምኽባር ዘለዎ ኣገዳስነት ውን የጕልሑ ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ጽባሕ ሰሉስ ዕለት 19 ሕዳር ኣብ ኢጣልያ ስጳኛ ከምኡውን ላቲን ኣመሪካ ክትዝርጋሕ ኢያ፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ክትስዕብ ኢያ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዛ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተጻህፈት ብዛዕባ ዓመተ ኢዮቤል 2025 እትፈልጽ መጽሕፍ ኣብ ፍረ ነገር - "ተስፋ ፈጺሙ ኣየሕፍን ኢዩ፣ ናብ ዝሓሸት ዓለም ዝግበር ንግደት" ዝብል ኮይኑ ብኣሕተምቲ ማሕበር ብሄርናን ሬየስ ኣልካይድ ዝተሓትመት ኢያ ።  

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሓደ ጥቕሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጋዛ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ጠቒሶም እቲ እተፈጸመ ነገር ክምርመር ከም ዘለዎ ገለጹ ። ብዛዕባ እተን ንስደተኛታት ውግእ ዝቕበላ ሃገራት እንክትንትኑ ድማ ከምዚ በሉ - "ኣብታ ከም ዮርዳኖስ ወይ ሊባኖስ ዝኣመሰላ ሃገራት ክፉት መዓጹ ነቶም ኣብቲ ዞባ ካብ ዝግበር ግጭታት ዝሃድሙ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ድሕነት ኰይኑ ዝቐጽል ዘሎ ማእከላይ ምብራቕ ልዕሊ ዅሎም እቶም ካብ ጋዛ ዝወጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ክሎም ምግብን ረድኤትን ንምርካብ ኣጸጋሚ ስለ ዝነበረ ብዛዕባ እቶም ብሰንኪ ጥሜት ካብ ጋዛ ዝወጹ ሰባት ኢየ ዝሓስብ ዘለኹ።"

ሓደስ መጽሓፍ ቅዱስ አቦና ብዛዕባ ዓመተ ኢዮቦእል 2025
ሓደስ መጽሓፍ ቅዱስ አቦና ብዛዕባ ዓመተ ኢዮቦእል 2025

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ መጽሓፎም "ገሊኦም ክኢላታት ከም ዚብልዎ እቲ ኣብ ቃዛ ዜጋጥም ዘሎ ነገራት መለለዪ ጃምላዊ ቕትለት እዩ። ምስቲ እቶም ፈራዶ ወይ ኣህጉራውያን ኣካላት ዘዳለውዎ ተክኒካዊ ትርጕም ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ ብጥንቃቐ ኺምርመር ኣለዎ" በሉ።

18 November 2024, 16:56