ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን ሮማ ኣብ እትርከብ ናይ ሩመናውያን ላቲናዊት ቤተ ክርስቲያን ካርዲናል ፓሮሊን ሮማ ኣብ እትርከብ ናይ ሩመናውያን ላቲናዊት ቤተ ክርስቲያን   (Vatican Media)

ካርዲናል ፓሮሊን ሮማ ኣብ እትርከብ ናይ ሩመናውያን ላቲናዊት ቤተ ክርስቲያን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ሮማ ኣብ ሮማ ናይ ዝቕመጡን ስድተይናታትን ሩመንያውያን ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዋሜ ዝክሪ መበል 25 ዓመት ምኽንያት ዕለት 17 ሕዳር ንናይ ላቲን ስርዓት ማሕበረሰብ ሩመንያ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ኣብ ዘለኻሉ ኩሉ መንነትካ ምዕቃብን ዳግማይ ምርካብ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ሮማ ጎዳና ናዚዮናለ ኣብ ዝርከብ ንቅዱሳን ቪታለ፡ ቫለርያ፡ ጀርቫስዮን ፕሮታስዮን ዝተወፈየ ባዚሊካ ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ኣብ ሮማ ጉስነት ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሩመናውያን ምእመናን ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ነቶም እምነት ኣብ ቤቶም እንከለዉ ዝተቐበሉን ሎሚ ካብ ቤቶም ርሒቖም ንዝነብሩ ምእመናን ሩመናውያን ላቲናዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ብካህናቶም ዝቐርበሎም ኣገልግሎት ጉስነት 25 ዓመት የቕጽር ከም ዘሎ ኣዘኻኺሮም፥ "ኣብ ሕብረተሰብ ዝረአን ኣብ ታሪኽ እተፈጥረ ህውከት ነታ ኣባና ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ክህውኽ ክንፈቕደሉ ኣይግባእን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንሓድነት ክርስትና ምዝካር

ኣብ ሮማ ዝርከቡ ካብ ሃገረ ሩመንያ ዝመጹ ካቶሊካውያን ምመናን መንፍሳዊ ጉስነት ዝረኽብሉ ቦታ ምህላዉ ናይቶም ስደተይናታት ካቶሊካውያን ሩመናውያን ዘለዎም ብሱል እምነት ምስክር ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥ ንታሪኽ ሓድነት ክርስትና ምዝካር ኣገዳሲ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንዝተፈጥረ ፍልልያት ናብ ሓድነት ዝማርኽ ክኽውን ከም ዘለዎን ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ታሪኽ ሰማእነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሩመንያ እናሓሰቡ፥ - "ኣብዚ በዓል እዚ እምነትና ኣዕሚቝና ንኽንነብር ክድርኸና ዝኽእል ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ንርእይ። ብሓባር ቅዱስ ቁርባን ኣብ ምብዓልን ኣብ ምስታፍን ብድሆታት ምክፋል ንናይ ሓባር እምነት መልህቕ ክንገር ዓቢ ደገፍ ይህበና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መንነት ዳግማይ ንምርካብ እምነት ምዕማቕ

ሓደ ሰብ ደገፍ ከምዝወሃቦን ከምዝተተባባዕን ከምዝጸናናዕን ምስ ዝዝክር መዓልታዊ ዳግማይ ዝረኽቦ ቀጻልነት ከምዘሎ የስተውዕል፥ . . . ቀጻልነት ንኽህሉ እተገብሮ ጉዕዞ እምነት "መንነትካ ዳግማይ ንምርካብ መተካእታ ዘይብሉ" ነገር እዩ። ኣብ እንነብረሉ ዘሎና እዋን "ክርስትና ናይ ሰንበት እምነት ጥራይ” ንዝብል ሓደጋ ኣብ ዝተቓላዓሉ እዋን “ሓደ ሓደ ግዜ መን ምዃንና ንነብስና ከነዘኻኽራ ደው ከይንብል ዝዓግተና ዘመን፡ ካበይ ከም ዝመጻእናን እቲ ክውንነት እንታይ ምዃኑን ዝሕብሩና ኣዕኑድ ምርኣይ ዝያዳ ህጹጽ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ ሓላፊ ዝንባለታትን ግዜታትን፡ ጽኑዓት ኰይንና ክንጓዓዝ ስለ ዝድግፈና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ተስፋ ካብ መከራ ታሪኽ ተድሕን

ኣብታ ናይ መወዳእታ ሰንበት ቅድሚ በዓለ ክርስቶስ ንጉስ፡ ዝተነበ ምንባብ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ንኸነስተንትኖ ዝዕድም እዩ . . . ምኽንያቱ ናብቲ ዘሎን ኵሉ ኣብኡ ዘራኸብን ጐይታ ከይፈራህና ንኽንጥምት ብምትብባዕ ናይ ኩሉ ነገር መወዳእታ መን ምዃኑ ይገልጸልና። ባዕሉ እቲ ዛዕባ እንታይነት ናይ መወዳእታ ዝገልጸልና ገዛእ ርእሱ ፍጻሜ ኩሉ እዩ . . . "ስቓይ ሕብረተሰብን ህውከት ታሪኽን ነታ ኣብ ውሽጥና ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ኪርብሽ የብሉን፡ ከመይሲ ነፍስና ድሮ ኣብ ፍቕሩ ሱር ሰዲዳ ኣብ ፍቕሩ እተመስረተት ነቲ ኸውሒ ዝዀነ ተስፋና መልሕቓ ዝገበረት ስለ ዝኾነት፣ ንዓለምን ንሰብን ዚቈጻጸር ባእታታት ቆዝሞስ ወይ ኣጋጣሚ ኣይኰነን፡ የግዳስ ኣምላኽ እዩ።" ናብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኽንጥምት እንኮለና ንዕቤት ትጽቢታትና ኸይነከና ጸበባ ኽነሓልፍ ከም እተጸዋዕና ክንዝክር ከም ዘሎና ኣብሪሆም ተስፋ ወትሩ ምሳና እያ . . . እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 November 2024, 16:06