ር. ሊ. ጳ. ሰላምን ዘተን ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኢጣልያውያን ነጋድያን ሰላምታ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን "ዩክረይን ካብ እትውረር ሓደ ሽሕ መዓልቲ ሓሊፉ ኣሎ" ብምባል ኣዘኻኸሩ። ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ "ነቶም ግዳያት ኰነ ነቶም ዕንወት ዘጋጠሞም ሕዝቢ ዘሕዝን ዝኽሪ ኢዩ" ክብሉ ውን መስከሩ፣ ብምቕጻል ድማ እዚ ውግእ እዚ "ንዅሎም ደቅሰብ ዘሕፍር ስዕረት" ምዃኑ ገለጹ።
እዚ ኽግምቶ ዘይከኣል መከራ እኳ እንተ ኣጋጠሞ ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጸዎ ሰባት ምስ ህዝቢ ዩክረይን ዘለዎም ጥብቕ ርክብ ከየጥፍኡ ጻውዒት ኣቕረቡ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘስምዕዎ ቃል ምሕጽንታ ከምዚ በሉ - "እዚ ግን ምእንቲ ሕዝቢ ዩክረይን ምእንቲ ሰላም ካብ ምጽላይ፣ ምስኣቶም ሓድነት ካብ ምህላውናንን ከምኡውን፣ ካብ ኣጽዋር ግጭታትን ናብ ዘተ ክቕየር ካብ ምጽላይ ክዓግተና የብሉን” በሉ።
ካብ ዩክረይን እተላእከት ደብዳበ ፦ ስቓይን ፍቕርን ተስፋን
ቅዱስነትም ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ ሕደ ካብ ሓንደ ዩክረይንዊ ተማሃሪ እተላእከት ደብዳበ ከም መዘኻኸሪ ቀረበት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ ምሉእ እታ መልእኽቲ ኣንበብዋ ። እቲ መንእሰይ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስቓይ ህዝቡ ኼጕልሕ ጥራይ ዘይኰነስ እምነቶምን ፍቕሮምን ኣብ ግምት ኬእቱ እውን ሓተቶም ከምዚ ክብል ውን ጸሓፈ - "ቅዱስ ኣቦና ረቡዕ ንሃገረይ ክትዝክርዋን ኣብ መበል 100 መዓልቲ ናይዚ ዘስካሕክሕ ውግእ እዚ ንመላእ ዓለም ክትዛረቡ ኣጋጣሚ ኽትረክቡን ከሎኹም፣ በጃኹም ብዛዕባ ስቓይና ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ምስክርነት እምነትና እውን ምስክሩልና ኢኹም።” እታ ደብዳበ ኣስዒባ ብዛዕባ እቲ ውግእ ዘምጽኦ ዓሚቝ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ትገልጽ ኮይና፣ እዚ ድማ ንእምነትን ፍቕርን ሕዝቢ ዩክረይን እተረጋግጽ ኢያ ዝነበረ ።
“በዚ ስቓይ እዚ ኣቢለ ዝያዳ ምፍቃር ተማሂረ እየ"ውን በለ።
ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ "ክሃድም ምመረጽኩ ነይረ ፣ እንደገና ሕጻን እንተ ዝኸውን ምመረጽኩ ነይረ ፣ ኣደይ ውን እንተ ትሓቝፈኒ ምመረጽኩ ነይረ! " በለ ። እዚ ዅሉ ስቓይ እናሃለወ ኽነሱ ግን እቲ ተማሃራይ ተስፋ ዘለዎ ቓላት ተዛረበ - "በዚ ስቓይ እዚ ኣቢለ ዝያዳ ምፍቃር ተማሂረ ኢየ ። ስቓይ መገዲ ቝጥዓን ተስፋ ምቝራጽን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ እምነት እተመስረተ እንተ ዀይኑ እውን ንፉዕ መምህር ፍቕሪ እዩ" ክብል መስከረ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነተን ናይ መወዳእታ ቓላት እታ ደብዳበ ኼንብቡ እከተልው ልቦም ኣዝዩ ስለ ዝተተንከፉ እናሕነቕነቑ - "ስቓይ ኪጐድኣካ ኸሎ ተፍቅር ማለት እዩ ። ብዛዕባ ስቓይና ኽትዛረቡ ከለኹም ነተን ሽሕ መዓልትታት ፍቕርና ዘክርወን ኢኹም ። ምኽንያቱ ፍቕርን እምነትን ተስፋን ጥራይ እያ ክንረክብ እትኽእል"።
ጻውዒት ንዓለም ለኻዊ ሰላም
ኦሌና ዘለንስካ በዓልቲ ቤቱ ንርእሰ ብሔር ሃገረ ዩክረይን ቭላድሚር ዜለንስኪ እውን ኣብቲ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ ተረኺባ ነበረት። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ዜጸናንዕ ቃላቶም ብምዝራብ ብቐጥታ ናብኣ ምሕጽንታ ኣቕረቡ ፣ እዚ ኸኣ ንህጹጽነት መልእኽቶም ዘጉልሕ ኢዩ ዝነበረ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ዘተ ናብ ሰላም ዝመርሕ እንኮ መገዲ ገይርካ ክርአ ጻውዒት ኣቕረቡ - "እቲ ኣጽዋር ስቕ ክብል ኣለዎ፣ ግጭት ድማ ከቋርጽ ኣለዎ።" ቅዱስነቶም እቲ ናብ መላእ ዓለም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ንጹር ኢዩ ዝነበረ - ውግእ ብዙሕ ዕንወት ኣምጺኡ ኢዩ ሰላማዊ መጻኢ ናይ ምፍጣር ድማ ሓላፍነት ናይ ደቅሰብ ኢዩ።
"ሽሕ መዓልቲ መከራ ሽሕ መዓልቲ ፍቕሪ እውን እዩ" በሉ።
መዓልቲ ጸሎትን ኣስተንትኖን
ኣብ መበል ሓደ ሽሕ መዓልቲ ናይቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ኣመልኪቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድንጋጽን ሓድነትን ዜርኢ ሓያል ምልክት ኣመሓላለፉ ። እቲ ዩክረይንዊ ተማሃራይ እተዛረቦ ቓላት ንሰላም ዘቕረቦ ምሕጽንታ ኣብ መንጎ ዕንወትን መከራን እውን ከይተረፈ ፍቕርን እምነትን እቲ ዝሓየለ ኣጽዋር ምዃኑ ሓያል መዘኻኸሪ ኢዩ ዝነበረ ።
እዛ መዓልቲ እዚኣ ብዛዕባ ስቓይ እትሓስበሉ ህሞት ጥራይ ዘይኰነትስ ሰላም ንምርካብ ተስፋን ስጕምትን ንኽትወስዱ እውን ጻውዒት ከተቕርበልኩም ኣለዋ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ልቢ ዝትንክፍ ምሕጽንታኦም "ሽሕ መዓልቲ ስቓይ እንተዀነ ግን ሽሕ መዓልቲ ፍቕሪ እውን ኣሎ" ብምባል ዛዘሙ።