ድለ

2024.03.14 SPAGNA - SIVIGLIA - PADRE TORRES PADILLA - BEATO - POSTULATORE 2024.03.14 SPAGNA - SIVIGLIA - PADRE TORRES PADILLA - BEATO - POSTULATORE 

ር. ሊ. ጳ. ነቲ ሓድሽ ብጽዕናኡ እተኣወጀ እስጳይናዊ ካህን ኣሞገሶም

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብነት ናይቲ ዝሓለፈ ቀዳም ብብፁዕ ካርዲናል ማርቼሎ ሴመራሮ ኣብ ሰቪል ስጳኛ ብፅዕናኡ እተኣወጀ መስራቲ ማሕበር ኣሓት ደናግል ዘቅዱስ መስቀል ዝኾነ ብፁዕ ኣባ ሆሴ ቶረስ ፓዲላ ኣሞጊሶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 9 ሕዳር ኣብ ሰቪል ስጳኛ ብብፁዕ ካርዲናል ማርቼሎ ሰመራሮ ብጽዕናኡ እተኣወጀ ካህን ኣባ ሆሴ ቶረስ ፓዲላ ብምዝካር ኣብነት ቅድስናዊ ህይወቱ መስከሩሉ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለግስዎ ቃል ብፁዕ ኣባ ቶረስ ፓዲላ ከም ርሕሩሕ ካህንን ኣቦ ንስሓን መንፈሳዊ መራሒን መጠን ዘለዎ ግደ ከምኡውን ንስኡናት ንምሕጋዝ ዝገበሮ ተወፋይነት  ኣጕልሑ ።

ብፁዕ ካርዲናል ሰመራሮ ብዛዕባ እዚ ብፅዕናኡ ዝኣወጁሉ እስጳኛዊ ካህን ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጐ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ዝገበሮ ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይን ኣገልግሎታትን ምስቶም ኣብ እተገለሉ ማሕበረሰባት ዝነበሮ ድልዱል ርክብን ዘለዎም ኣኽብሮት ገልጹ ። ነቲ ኣባ ቶረስ ፓዲላ ኣብ ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ኣገልግሎታት ዝነበሮ ፍሉይ ኣቀራርባን ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ዓሚቝ ሓድነትን መንፈሳውነትን ውን ኣስተንተኑ እዚ ድማ ንዕዮኡ ክሳብ ክንደይ ክቡርን አገዳስን ምንባሩ ዘርኢ ኢዩ ክብሉ መስከሩሉ ።

ብፁዕ ካርዲናል ሰመራሮ ኣብቲ ዕለተ ኣዋጅ ብፅዕናኡ ኣብ ዝለገስዎ ስበከት ቃል ኣምላኽ፣ ኣብ መንጎ ህይወት ኣባ ቶረስ ፓዲላ ከምኡውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ህይወት ዝህብ ማይ ዝገልጽ ምሳሌ ብምጥቃስ ዘለዎ ምምስሳል ኣስተንተኑ፣ እዚ ድማ ሓደ ካህን ንመንፈሳውነቱ ምስ ተግባር ክሰማምዕ ከም ዘለዎ ዘጕልሕ ኢዩ ዝነበረ። ብዛዕባ እቲ ኣባ ቶረስ ፓዲላ ዝገብሮ ዝነብረ ንድኻታት ናይ ምጽናዕን ናይ ምጽላይን ናይ ምግልጋልን ልማዳት ውን ገለጹ ።

እቲ ትሑት ናብራ ዝነበሮ ኣባ ቶረስ ፓዲላ ኣብቲ ኣብ ሰቪል ዝርከብ ኣዝዩ ድኻ ኸባቢ ንዝነበሩ ሕሙማትን ስኡናትን ብተደጋጋሚ ይሕግዞም ነበረ ። እቲ ብመንፈሳዊ ገጽታ ዝገበሮ ዕዮ "ኤል ሳንቴሮ " (ገባር ቅዱሳን) ዚብል ሳጓ ኸም ዝረክብ ገበሮ ፣ ብፍላይ ከኣ ነታ መስራቲት ኣሓት ደናግል ዘቅዱስ መስቀል ዝዀነት ቅድስቲ ኣንጀላ በዓልቲ መስቀል ጸልይዋ እዩ ።

ብፁዕ ካርዲናል ሰሜራሮ ነቲ ንክርስትያን ምእመናን ሓድነት ከም ዚህልዎም ዝገብርን ንዘሎ ፍልላያት ክሳገሩሉ ዝኽእሉ ፍቕሪ ኸም ዚሰፍን ዚገብር ሓባራዊ ቅድስና ከም ዝለኦ ብምጕላሕ ስብከቶም ደምደሙ።

11 November 2024, 17:01