ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ መሰኻኽር "ሓጐስ ወንጌል" ሰላምን ተስፋን ከምጽኡ ይኽእሉ ኢዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቲ ብዛዕባ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ዝገብርዎ ዘለዉ ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል ብዛዕባ እቲ ሓደ ካብ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ውህበት መንፈሳዊ ሓጐስ ኣስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ዘካፍልዎ ዘለዉ ተኸታትሊ ትምህርትታት ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ውን ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ሓደ ካብ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ውህበት መንፈሳዊ ሓጐስ ኣተኲሮም ኣስተንተኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ መንፈስ ቅዱስ ካብቲ ንሱ ኣብ ልብና ምህላዉ እንተኽቦ ሓጐስ ንኻልኦት ንኸነካፍሎም ዝድርኸና ዓሚቝን ነባርን ሓጐስ ኢዩ ።

ጸጋን ናጽነትን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተምህሮኦም ብዛዕባ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጎ ጸጋን ናጽነትን ዘሎ ምትሕብባር ብኸመይ ከም ዘፍሪ ገለጹ፣ ከመይሲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ "እምነት ብፍቕሪ ኣቢላ ኢያ እትዓዪ" ብምባል ናይ ኩላትና ዘሎና ናይ ምምሃዝ ክእለት ገለጹ።

ኵላትና ፍሉይ ውህበት እኳ እንሃለወና፣ ኵላትና ግን ፍሉያት እኳ እንተ ዀንና፣ ወትሩ "ለጋሳት ዕጉሳት ትሑታት ሃነጽቲ ሰላም" ክንከውን ከም ዘሎና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣመልከቱ።

ሓጐስ፣ ፍረ መንፈስ

እቲ ፍረ መንፈስ ዝዀነ ሓጐስ ናይ ምልኣት ስምዒትን ዕግበትን ከም ዝስምዓና ዝገብር ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ንሓደ ሰብ ንዘለኣለም ክቕጽል ከም ዝምነዮ ዝገብር ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ።

ነቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ንኣምላኽ "ንስኻ ንርእስኻ ገበርካና፣ ልብና ድማ ኣባኻ ኽሳዕ ዚዓርፍ ኣየዕርፍን ኢዩ" ብምባል እተዛረቦ ቓላት ዘከሩ።

እንካፈሎ ሓጐስ እናበዝሐ እዩ ዝኸይድ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "እቲ ኣብ ወንጌል ዝርከብ ሓጐስ ከም ካልእ ሓጐስ ዘይኰነስ መዓልታዊ ክሕደስን ተመሓላላፊ ክኸውንን ይኽእል ኢዩ" በሉ፣ ሳላ እቲ ምስ ፍቕሪ ኣምላኽ ብቐጻሊ ዘራኽበናን ናብ ዘበልጽግ ዕርክነት ዝዕምብብ ዘሎ ካብ ጸቢብን ገዛእ ርእስና ከንዕጾ ናጽነትን ረኺብናን ሓራ ወጺእና ኢና።"

ነዚ ሓጐስ እዚ ንኻልኦት ከነካፍሎም ብመንፈስ ተደሪኽና ስለ እንርከብ ኣብዚ ኢና "ምንጪን መንፈስን ኵሉ እቲ ኣብ ወንጌላዊ ተልእኾ እንገብሮ ጻዕርታት" እንረክብ።

እቲ ፍረ መንፈስ ዝዀነ ሓጐስ ኣይሃስስን ኢዩ፣ ንኻልኦት ምስ ዝካፈል ድማ ይስስን።

ናይ ሓጐስ ቅዱስ፣  ፊሊፖ ኔሪ

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ቕድሚ ሓሙሽተ ዘመን ኣብ ሮሜ ዚነብር ዝነበረን "ቅዱስ ሓጐስ" ተባሂሉ እተጸውዐን ቅዱስ ፊሊፖ ኔሪ ዝሃቦ ምስክርነት ዘከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ድኻታትን እተጠንጠኑን ደቂ ኣገልግሎት ማሕበሩ "ደቀይ ተሓጐሱ፣ ክጭነቕ ወይ ክሓዝን ኣይደልን እየ፣ እንተ ዘይሓጥእኩም እዚ እኹል እዩ" በሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ሓጐሱ ፍረ መንፈስ ኢዩ ነይሩ "ብሓጐስ ከኣ እቲ ሓቀይና ተልእኾ ወንጌል" ይፍጸም በሉ።

ሓጐስ ወንጌል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እታ "ወንጌል" እትብል ቃል ብስራት ኢያ እተመልክት ነቲ ቕዱስ ጳውሎስ ንምእመናን ቤተ-ክርስትያን ፊሊጵስዩስ "ወትሩ ብጐይታ ተሓጐሱ። ደጊመ እብለኩም ኣሎኹ ፦ ተሐጐሱ! ሕያውነትኩም ኣብ ኵሉ ይፈለጥ ። ጐይታ ቀረባ ኢዩ" (ፊል 4 4-5)።

27 November 2024, 16:15