ድለ

ር. ሊ. ጳ. ምስቶም ካብ ጋዛ ናጻ ዝወጹ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ እስራኤላውያን ተራኺቦም

ጕጅለ ሓማስ ጅሆ ሒዝዎም ዝንበረ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ህጻናን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም ። ልኡከ መንግስቲ እስራኤል ናብ ቅድስቲ መንበር ነዚ ርክብ እንክገልጽ "ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቶም ግዳያት ዘለዎም ጥቡቕ ቅርበትን ርክብን ከም ዘርኣየ" ኣመልኪቱ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቭቲካን

ኣብ ቃዛ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ምርኮ ድሕሪ ምጽናሕ ካብቶም ብዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ብጉጅለ ሓማስ እተጨውዩ ጕጅለ እስራኤላውያን ሎሚ ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣዘራረብዎም።

ዓሰርተው ሽዱሽተ ደቂ-ኣንስትዮ ኣርባዕተ ሰብኡት ከምኡውን ክልተ ቘልዑ ኣብቲ ርክብ ከም እተኻፈሉ ውን ካብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ ።

ሓደ ኻብቶም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተራኸቡ፣ ታል ሾሃም ዝስሙ ኣባላት ስድራ ቤቱ ምስ ሰበይቱን ደቁን ሓማቱን ካልኦት ኣዝማዱን እተታሕዙ ንቅዱስነቶም ማልያ ተጻወቲ ዅዕሶ እግሪ ከም ህያብ ኣቕረበሎም።

ገለ ኻባታቶም ጸኒሖም ኣበቲ ካታርን ግብጽን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝገበራኦ ግዚያዊ ውዕል ምቍራጽ ተኹሲ ዝተፈትሑ ኢዩ ዝነብረ ።

እተወሰኑ ተሳተፍቲ ገጽን ኣስማትን እቶም ዝጠፍኡ ወይ እተማረኹ ኣባላት ስድራቤቶም ዜርኢ ፖስተራት ሒዞም ነበሩ ከም "ናብ ቤቶም ምለሶም" ዝብል ጽሑፋት ውን ነበሮ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንነፍሲ ወከፍ ምስሊ ኸም ምልክት ቡራኬ ገይሮም ተንከፍዎም ብልቦም ውን ጸለዩሎም ።

ልኡከ መንግስቲ እስራኤል ናብ ቅድስቲ መንበር ነዚ ኣጋጣሚ እዚ "ልቢ ሰባት ዝትንክፍ" ክብል ውን ገሊጽዎ ኣሎ፣ ኣስዕብ ኣቢሉውን "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቶም ግዳያት እታ ኣሰቃቒት መዓልቲ እቲኣ ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎን ናጻ ንኽወጹ ዘለዎም ቘራጽነትን ኣርእዩም ኢዮም " ውን ክብል መስከረ ።

ምሕጽንታ ሰላም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ካብቲ ብዕለት 7 ጥቅምቲ እተፈነወ መጥቃዕቲ ኣትሒዞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ቃዛ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ደው ንምባልን ነቶም እተጐድኡ ሰባት ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ሕልዮት ንምግባርን ሓፈሻዊ መድረታቶም ብቐጻሊ ይጠቕስዎ ኣለዉ ። በቲ ጉጅለ ሓማስ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ንልዕሊ 1,100 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣንስትን ኣረጋውያንን ቈልዑን ዝርከብዎም 240 ሰባት ከም እተጨውዩን ዝገበረ ኣዕናዊ ግጭት ንምፍታሕ ኣድላዪ ስጕምትታት ምውሳድ ከም ዘድሊ ውን ኣመልኪቶም ኢዮም።

ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣቐድም ኣቢሎም ብዕለት 8 ሚያዝያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኣዝማድ እቶም ብጉጅለ ሓማስ እተታሕዙ እስራኤላውያን ተራኸቡ ። ብዕለት 22 ሕዳር 2023 ብሰንኪ እቲ ኣብ ቃዛ እተኸስተ ቐጻሊ ዓመጻን ሰብኣዊ ቅልውላውን ስድራቤታት እስራኤል ንእተታሕዙ ስድራ ቤታትን ምስቶም ዜፍቅርዎም ሰባት ዚሳቐዩ ዝነበሩ ተወከልቲ ፍልስጥኤማውያንን ተቐቢሎም ውን ኣዘራረቡ። ብመሰረት እቲ ኣብ ጋዛ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዘውጽኦ እዋናዊ ኣሃዛት ልዕሊ 43,700 ዝዀኑ ሰባት ብሰንኪ ዘየቋርጽ መጥቃዕቲ እስራኤል ተቐቲሎም ይርከቡ ኣለዉ ። ኣመሓዳሪ ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ማትዮ ብሩኒ ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ምስ ስቓይ ኵሎም እቶም ኣብኡ እተሳተፉ ሰባት መንፈሳዊ ሓድነት" ከርእዩ ከም ዝጸዓሩ ውን ገለጸ ።

ብዕለት 17 ጥቅምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ ሃገረ እስራኤል መራሔ መንግስቲ ነበር ኤሁድ ኦልመርትን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃገር ፍልስጥኤም ነበር ናሰር ኣል-ኪድዋን ምስ ተወከልቲ ዓቀብቲ ሰላም ሓቢሮም ናይ ብሕቲ ዘተ ከም ዘካየዱ ውን ዝዝከር ኢዩ። ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ኣኼባ ከም "ኣገዳስን ዘንቀሳቐስን" ገይሮም እንክገልጽዎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብወገኖም ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ናይ ሰላም ጻዕርታት ሕልፍ ዝበለ ሻቕሎት ከም ዘለዎም ገለጹ።

15 November 2024, 14:54