ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ጃይናውያን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ሓድነትን ሰላምን ሓባራዊ ጻዕርታት የተባብዑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ጃይናውያን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ሓድነትን ሰላምን ሓባራዊ ጻዕርታት የተባብዑ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ጃይናውያን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ሓድነትን ሰላምን ሓባራዊ ጻዕርታት የተባብዑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓሸት ዓለም ኣብ ምህናጽ ንምትሕብባር ዝሕግዝ መገድታት ንምጽናዕ ኣብ እተገብረ ዋዕላ ንዝተሳተፉ ኣህጉራውያን ወከልቲ ሃይማኖት ጃይንስ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ሕዳር ኣብ ቫቲካን ዓለም ሓቆፍ ልኡካ ሃይማኖት ጃይን ድሃርማ ተቐቢሎም መደረ ከም ዘስምዑን እቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ ተቕዋም ስነ ሃይማኖት ጃይን ልኡካን ንመላእ ሰዓብቲ ሃይማኖት ጃይን ወኪሎም ኣብቲ ብዛዕባ ብዙህነትን ሓቋፍነትን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ኣተኮይሩ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ከም እተሳተፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ርክብ ኣካል ናይቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለን "ዝዓቢ ዘሎ ዘተ" ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ሃይማኖት ጃይንን ክርስትያንን ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተዳለዎ ዓውደ ርክብ ኮይኑ ንዓለምና ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ ኣብ ዝሕግዙ መንገድታት ብሓባር ንምስራሕ ዝኣመተ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ድኻታትን ናይ ሓባር ገዛናን ምሕብሓብ

ንምድሪ፡ ድኻታትን ኣብ ሕብረተሰብ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ንዝኾኑን እንከናኸነሉ መንገዲ ንምልላይ ብሓባር ዝፍጸም ዘሎ ዕዮ "ኣብ ዘመንና ኣገዳስነቱ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ" ቢሎም፥ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሓባራዊ ተጸምዶን ሓላፍነትን ክወሃቦ ዝግብኦ ጉዳይ እዩ እንክብሉ ገሊጾም፥ ክንደይ ካብቶም ሕብረተሰብ ዝቃለሶም ዘመናዊ ጸገማት ብሰንኪ ውልቃውነትን ዘይምግዳስን ዘጋጥም ዘሎ እዩ፡ እዚ ድማ ንኽብርን መሰላትን ንህብረ ባህልታትን ካልኦት ዕሽሽ ንምባል ዝመርሕ ምዃኑን፡ እቲ ዘሕዝን ግን ንውሑዳት ዘፈራርሑን ዘግልሉን ጉጅለታት ክህልዉ እንከለዉ፡ ካልኦት ግን ኣብ ክንድኡ ብሃናጺ መንገዲ ምሕዝነት፡ ምትሕግጋዝን ነባሪ ሰላምን ዘስፍሑ ከም ዘለዉ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተስፋ ኣብ ምስፋሕ ንቕድሚት ሰጒሙ

ር.ሊ.ጳ. ነቲ ኣብ ሕብረተሰባት ንዘሎ ​​ዕንቅፋታት ምላሽ ንምሃብ ኩሉ ሰብ ኣብ ሃናጺ ጻዕርታትን "ኣብ ኣመንትን ኣብ ኩሉን ስምዒት ሰብኣውነት ዘዕብዩ ተበግሶታትን" ክጸንዕ ኣተባቢዖም።

"ተስፋ ምስፋሕ ንምቕጻል" ትብዓትን ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ድሌት ዘለዎ ሰብ "ፍቕሪ ክዝርግሕን ንዝተጸገሙ ካልኦት ክሕግዝን፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ፍልልያቶም ከኽብርን ዝኽእል ኵላዊ ሕውነት ንምድንፋዕ ጻዕርታት ክግበር" ጻውዒት ኣቕሪቦ፥

“እዚ ጽንዓት ዘለዎ ተወፋይነት ሕውነታዊ ምትሕግጋዝ፡ ‘ንኹሎም ደቂ ሰባት ብመሰልን ብግቡእን ብኽብርን ማዕረ ዝፈጠረ፡ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓባር ክነብሩ ዝጸውዐ እግዚኣብሔር እዩ’ ዝብል መሰረት ዝገበረ እዩ።”

ምስ በሉ ንኹሉ ንዝገበርዎ ጻዕሪ ብምምስጋን፡ እዚ ንዝሓሸ ዓለም ብሓባር ኣብ ምስራሕ ዝግበር እወንታዊ ኣገባብ ህይወት "ንሓድሕድናን ንሓባራዊ ገዛናን ክንሓልይ እንገብሮ ጻዕሪ ዳግማይ የሐይሎ" እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 November 2024, 16:51