The Notre-Dame de Paris cathedral before its reopening The Notre-Dame de Paris cathedral before its reopening 

ር. ሊ. ጳ. ፦ ዳግመ ምኽፋት ካቴድራል ኖተር ዳም ካብ ጐይታ ዝኾነ ትንቢታዊ ምልክት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ክንዲ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ናብ ፈረንሳውያን ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ማእሰር ንምድልዳልን ኣብ ክርስቶስ ሓድነት መንፈስ ንምድልዳልን ተስፋ ብምግባር ኣብ መንጎ እታ ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ መንጎ ኣብያተ-ክርስትያን ኣፍሪቃን ዘሎ ርክብ ኣተኲሮም መዓድዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ፈረንሳውያን ጳጳሳት ኣብ ዝለኣክዋ መልእኽቲ "ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ካብ ጐይታ ሓያልን ትንቢታዊ ምልክት ከተለሊ ተጸዊዓ ኣላ፣ እዚ ድማ ኣብ ፓሪስ ንኣምልኾ ተባሂሉ ካቴድራል ኖተር ዳም ከም ብሓድሽ ምኽፋቱ እዩ" ክብሉ ጸሓፉሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ኣብ ክንዲ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ነቶም ትማሊ ሰሉስ ዕለት 5 ሕዳር ኣብ ሉርደስ ኣብ እተገብረ ዓብዪ ጉባኤ እተረኽቡ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ብዕለት 8 ታሕሳስ ኪግበር እተመደበ ፍጻመ፣ ካብቲ ንካቴድራል ኖተር ዳም ኣብ ሚያዝያ 2019 ዘዕነዋ ባርዕ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ጸኒሑ ትርጕም ዘለዎ ምልክት ገይሮም ኪርእይዎ ከም ዘለዎም ኣተባብዕዎም።

ሓደ መንፈስ ኣብ ክርስቶስ

እዚ ሕውነታዊ መልእኽቲ ንምትብባዕን ንምትእምማንን ንምቅርራብን እዩ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ መጽሓፍዋ መልእኽቲ ፖለቲካውን ቍጠባውን ሓይልታት ሓድሓደ ግዜ ከም ስስዐ ዘይምግዳስ ከምኡውን ምዝመዛ ዝኣመሰለ ኣብ መንጎ ሃገራትን ህዝብታትን ዘሎ ርክብ ከበላሽዎ ከም ዝኽእል ብምግላጽ ኣብ ማሕበራት ቤተ-ክርስትያን ሓባራዊ ደገፍ ከም ዘድሊ ኣጕልሑ።

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያን ፈረንሳን ኣብያተ-ክርስትያን ኣፍሪቃን ዘሎ ርክብ ነቲ ሓድነት ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ዘንጸባርቕ "ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ሓደ መንፈስ" ክድረኽ ተስፋ ከም ዝገብሩ ገለጹ።

"እቲ ኣብ መንጎ እተን ኣብከባቢኹም ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያን ዝግበር ናይ ግብረ-ሰናይን ሓባራዊ ደገፍን ንማሕበረሰብኩም ብልኡካነ ወንጌል ከም ዝሕደሱ ይገብሮም ጥራይ ዘይኰነስ ብምስክርነቶም ኣቢሎም ዝያዳ ዝምድናን ሕውነትን ዘለዋ ዓለም ኣብ ምህናጽ እውን ኣበርክቶ ይገብሩ ኢዮም" በሉ።

ንውህበት መንፈስ "ብዘይ ፍርሂ" ምቕባል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ብዛዕባ "ጸገማት ስብከተ ወንጌል" ንምምይያጥ ክፉታት ምዃን ኣድላዪ ምዃኑ እውን ጠቒሶም ኣለዉ።

ከም ምምሕዳር ዘርኣ ክህነታት ስነ መለኮት ምስትምሃር ከምኡውን ውደባታት ሰበኻታት ዝኣመሰለ ጕዳያት ውን ጠቒሶም ኣለው። ስለዚ ነቶም ጳጳሳት ካብ ሕሉፍ ተመክሮታት ብርታዐ ኽረኽቡን ነዚ ሕጂ ዘሎ ብድሆታት ንኽዋጽኡን ለውጢ ንኽጽበዩ ከምኡውን ተሓድሶ ኣብ ምትግባር መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ንኽቕበሉ ድሉዋት ክዀኑን ኣተባብዕዎም ።

ብርታዐን ትብዓትን ቤተ-ክርስትያን ፈረንሳ

እዚ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ዘይነቓነቕ ተስፋ እዩ ዜጕልሕ ፣ እዚ ኸኣ ፍረ ነገር እታ እትመጽእ ዓመተ ኢዮቤል እዩ ።

እታ ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ኖተር ዳም ከም ብሓድሽ ምኽፋታ ትንቢታዊ ምልክት ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ይብሉ - "ልክዕ ከምቲ ብእምነት እተደላደለት ብታሪኻ እትሕበን ከምኡውን ኣብ ምዕባለ እታ ሃገር ንዝነበራ መተካእታ ዘይብሉ ግደ እተወፈየት ቤተክርስቲያን ትኹን ብዘየገድስ ነቲ ብስራት ድሕነት ብሓጐስ ምእዋጅ ውን ትቕጽል።

ፍቕሪ ቕዱስ ልቢ "መፍትሕ መጻኢ"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብዛዕባ ቕዱስ ልቢ ኢየሱስ ውእቱ ኣፍቀረን ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዋ ዓዋዲት መልእኽቶም ጠቒሶም ነታ "መብዛሕትኡ ግዜ እንኮ መፍትሕ መጻኢ" ክብሉ ዝጸውዕዋ ፍቕሪ ቅዱስ ልቢ "ዳግም ምርካብ ወይ ምምርማር" ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ ።

ካብታ ዓዋዲት መልእኽቶም ብምጥቃስ ድማ ከምዚ በሉ - "እቲ ዝቘሰለ ጐድኒ ክርስቶስ ነቲ ፈጺሙ ዘይደክምን ፈጺሙ ዘይነጽፍን ፈልፋሊ ካብ ምፍሳስ ኣየቋረጸን የግዳስ ንዅሎም እቶም ከም ናቱ ዓይነት ፍቕሪ ኸሕልፉ ዝደልዩ ሰባት ብተደጋጋሚ ገዛእ ርእሱ የቕርብ ኢዩ። ምኽንያቱ ፍቕሩ ጥራይ ኢዩ ሓድሽ ሰብ ኬምጽእ ዝኽእል።"

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ቅዱሳን ፈረንሳይ ነዚ መንፈሳውነት እዚ ኣብ ምምዕባልን ኣብ ምዕማቝን ዓብዪ ግደ ኸም ዘለዎም ኣፍልጦ ይወሃቦም ኢዩ በሉ ።

ፍቕሪ ኢየሱስ ዜንጸባርቕ መንፈሳውነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ንስኻትኩም ካብ ካልኦት ንላዕሊ ኻብዚ ውርሻ እዚ ንኽትጥቀሙ ኢኹም እትጽውዑን እትበቕዑን " በሉ ።

ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም ጳጳስትን ተሓባበርቶምን ምእመናን እተፈላለዩ ሰበ-ስልጣንን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ብምክፋል ዛዘሙ።

07 November 2024, 10:02