ድለ

2024.11.15 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቀዳማይ ሲኖዳዊ ጉባኤ ኢጣልያ፥ ትንቢታዊ ምስክርነት ክወሃብ ይጽውዑ 2024.11.15 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቀዳማይ ሲኖዳዊ ጉባኤ ኢጣልያ፥ ትንቢታዊ ምስክርነት ክወሃብ ይጽውዑ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቀዳማይ ሲኖዳዊ ጉባኤ ኢጣልያ፥ ትንቢታዊ ምስክርነት ክወሃብ ይጽውዑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንተሳተፍቲ ቀዳማይ ጉባኤ ዛዕባ ሲኖዳውነት ኢጣሊያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ቤተ ክርስቲያን ነቲ “ትንቢታዊ ምዕራፍ” ጉዕዞ ሲኖዳውነት ክትሓቁፍ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ክፍትቲ ኣብ ምዃን፡ መንገድታት ሕብረት ክትስዕብ፡ ወንጌል ብሓጎስን ትብዓትን ክትነብር ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 15 - 17 ሕዳር ኣብ ክፋል ከተማ ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰለስተ ዓመት ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተን መመያን ዘማእከለ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት ምዝዛም ስዒቡ ዝካየድ ዘሎ ቀዳማይ ዋዕላ ሲኖዳውነት ኢጣሊያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣

ትንቢታዊ ምዕራፍ

ንኣገዳስነት ናይዚ ህሞት እዚ ብምስትንታን ነቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ "መዛዘሚ ጕዕዞ ሲኖዶስ ዝዀነ ናይ መጀመርታ ፍጻመ" እንክብሉ ገሊጾም፡ ኢጣልያዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ንሶም "ትንቢታዊ ምዕራፍ" እንክብሉ ዝገልጽዎ ህሞት ከም ዝኣተወትን እዚ ኸኣ ነቲ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት እተረጋገጸ ምስትውዓልን ርኽበታትን ናብ ጭቡጥ ወንጌላዊ ምርጫታት ምቕያር ዘጠቓልል ኢዩ። “ነብያት ኣብ ህሉው እዋን ይነብሩ፣ ብብርሃን ቃል እግዚኣብሕኤር ነቲ ህልው ኩነታት ድማ ብኣጠማምታ እምነት ይትርጉምዎ” ብምባል ተጋባእያን ዘካይድዎ ዘተ ናብ መልእኽቲ ወንጌል ዘንጸባርቕ ውሳኔታት ዝመርሕ ክኸውን ኣስተብሂሎም፥

"ነቲ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት እተኣከበ ነገራት ናብ ምርጫታትን ውሳነታትን ወንጌል ናይ ምቕያር ጕዳይ ኢዩ። እዚ ኸኣ ንመንፈስ ቅዱስ ልኡም ብምዃን እዩ ዝፍጸም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሲኖዳውነት፡ ሓቢርና ክንመላለስን ርሁዋት ክንከውንን ዝሓትት ጻውዒት

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ነቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ምስ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኢጣልያ ተራኺቦም ዘካፈሉዎ “ምጒዓዝ፡ ብሓባር ቤተ ክርስቲያን ምህናጽን ክፍትቲ ቤተ ክርስቲያን ምዃንን” ዝብል ሰለስተ መትከላት ኣዘኻኺሮም፥ እዞም መትከላት እዚኣቶም ካብቲ ናይ መጀመርታ “ምዕራፍ ትረኻ” ክሳብ ሕጂ ዘሎ “ምዕራፍ ትንቢት” ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ናይ ሲኖዶስ ጉዕዞ ዝምልከቱ ኮይኖም፡ ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ኣገደስቲ ምዃኖም ኣብሪሆም፥ “እዚ ‘ ብሓባር ምጉዓዝ’ ምስ ኩሉ ሰብ፡ ምስ ኩሉ ሰብ፡ ቤተ ክርስቲያን ንኣሰራርሓ መንፈስ ቅዱስ ብተኣዛዝነትን ምልክታት ዘመን ንምንባብ ተሃዋሲትን (ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “ፍስሓን ተስፋን ፍቕ. 4)፡ ብቐጻሊ ንርእሳ ኣብ ቅዱሳት ምስጢር እትሐድሰሉን ፍጽምቲ እትገብረሉን መስርሕ ነቲ ዝተጸውዐትሉ ተልእኾ ተኣማንነት ዘለዎ ምስክርነት ክኸውን” እንክብሉ ዕለት 2 ጥቅምቲ ኣብ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብምጥቃስ ንቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ መንፈስ ቅዱስ ንጕዕዞኣን ንውሳነታታን ኪመርሖ ብምፍቃድ "ናይ መርከባ ጋንጽላ ንንፋስ መንፈስ ቅዱስ ከተረክቦ” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምትብባዕ

ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ንመጀመርታ ግዜ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝኣወጅሉ ዕለት 25 ጥሪ 1959 ዓ.ም.

ብምዝካር እቲ ናይ ዮሓንስ መበ 23 ራእይ “እቲ ሕጂ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝድለ ዘሎ፡ ነቲ ዘልኣለም ዝነብር፡ ህይወት ዝህብ፡ መለኮታዊ ጸዓት ወንጌል፡ ኣብ ሰራውር ናይቲ ሕጂ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ምእታው እዩ።”

ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ድማ ናብ መጻኢ ክትጥምት ብምትብባዕ፡ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ነቲ “ሓድሽ ቃል ብስራት ብሓጐስ ከተቕርብ” ከምኡ’ውን ንዓለም ናይ ሰባት ድሌትን ተስፋን ዝርዳእ “ርህሩህ ምጥማት” ክህልዋ ዝተጸውዐተ ምዃና ኣዘኻኺሮም፥

ናይ ልኡካነ ወንጌል ደቀ መዛሙርቲ ቤተ ክርስቲያን

ቤተ ክርስቲያን ንቕድሚት ክትጓዓዝ መመያን ትብዓት ከምኡውን ወንጌላዊ ቅንኣት ክህልዋ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጒሊሖም፥ "ትብዓት ዝመልኦ ምርጫታት ምግባር ትንቢት ወንጌል ምእዋጅ ከምኡውን ናይ ልኡካነ ወንጌል ደቀ መዛሙርቲ ምዃን" እዩ። ነቶም ኣቡናት "ብኣባታውን ፍቕራውን መገዲ ሓልዮት ክስጉሙ” ኣተባብዖም ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲክን ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ንጕዕዞ ቤተ-ክርስትያን ኣበርክቶ ዝገበረ ዘደንቕ ኣኼባታት ኣስተብሂሎም፥

ራእይ ንመጻኢ

ጻውዒት ተስፋን ርህራሄን ብምቕራብ፡ ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ንጠለባት ሕብረተሰብ ክትምልስን “ንመጻኢ ክትዳሎን፡ ከም ተስፋ ምቑራጽ፡ ግዳይነት፡ ፍርሒ፡ ዕጹው ኣተሓሳስባ ዝኣመሰሉ ዘይክርስትያናዊ ኣተሓሳስባታት ንምስዓር” ትጽዋዕ ቢሎም፥ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ቅድሚ ምቕራቦም ንቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ንሓለዋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሕድሪ ቅድሚ ምባሎም፥ “ቃል ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ፍረ ምእንቲ ክፈፍሪ ወትሩ ኣብ ምዝራእ ቃሉ ቀጽሉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 November 2024, 16:31