ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንመዓልቲ ኩለን ነፍሳት ኣብ መካነ መቓብር ላውረንቲኖ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም

ዕለት 2 ሕዳር ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዓልቲ ኵለን ነፍሳት ኣብ እትዝክረሉ ዕለት ር.ሊ.ጳ. ፍራንስኮ ናብቲ ኣብ ሮማ ብዕቤቱ ሳልሳይ ዝዀነ መካነ መቓብር ላውረንቲኖ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብኡ ምእንቲ ኵሎም ሙታን መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዓልቲ ኩለን ነፍሳት ዕለት 2 ሕዳር ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር ላውሬንቲኖ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብቲ ናይቲ መቓብር ስፍራ ኣብ ዝርከብ መላእክት እተሰምየ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጸሎት ምእንቲ ነፍሳ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10፡00 ኣብኡ ምስ በጽሑ ብናይ ከተማ ሮማ ከንቲባ ሮበርቶ ጓልቲየርን ኣብኡ ብዝተረኽቡ ምመናንን ኣቀባብላ ምስ ተገብረኦም ኣብዙ ምስ ዝተረኽቡ ኣብ 2021 ዓ.ም. ነፍሰ ጹር ዝነበረት ጓሎም ዝዓረፈቶም ኣቦ ሓጺር ቃል ሰላምታ ከም እተለዋወጡ የመላኽት።

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝደገምዎ ጸሎት
ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ምእንቲ ነፍሳት ኩለን ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ፊት እቲ መቓብር ናይ ጽሞና ጸሎት ኣዕሪጎም ቁኑን ዕንባባ ከም ዘንበሩን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም፥

ንዝሞቱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን መዕረፊ ቦታ ዝኾነ መካነ መቓብር ኣብ ምብጻሕና፡ ኣብቲ ንድሕነትና ዝሞተ፡ ዝተቐብረ፡ ዝተንስአ ክርስቶስ ዘሎና እምነትና ነሐድስ። መዋቲ ኣካላት እውን ኣብታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺበራበሩ እዮም፡ እቶም ብጐይታ ዝደቀሱ ኸኣ ምስኡ ሓቢሮም ንሞት ኪዕወቱ እዮም። በዚ ርግጸይናታት ኴንና ነቲ ሓድነት ዘለዎ ናይ ልመናን ጸጋን ጸሎትና ናብ ኣቦና ነቕርብ ።

ኦ ኣምላኽ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓብዪ ምሕረትካ ብትንሳኤ ኢየሱስ ካብ ምዉታት ናብ ህያው ተስፋ ናብቲ ዘይጠፍእን ዘይሃስስን ርስቲ ብጸጋ ምሕረትካ ዳግም ዝወለድካና(1 ጴጥ. 1፣ 3 - 4) ነቲ ምእንቲ ዅሎም እቶም ነዛ ዓለም እዚኣ ሓዲጎምዋ ዝኸዱ እነፍቅሮም ሰባት እነቕርበልካ ጸሎት ስምዓዮ። ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ወድኻ ዝረኸቦ ዓወት በዓል ትንሳኤ ኸም ዚሳተፉን ብምርግጋጽ ነቶም ዚሓዝኑ ኣጸናዕ። ንስኻ ነታ እተባረኽት ድንግል ማርያም ከም ምልክት ብርሃን ገይርካ ኣብ መገዲ ቤተ - ክርስትያን ዘንበርካያ ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት ካብታ ናባኻ እትመርሓና መገዲ ምእንቲ ኸየስግለና ንእምነትና ብኣማላድነታ ሓልው። ብክርስቶስ ጐይታና።

ኣሜን!

ዝብል ጸሎት ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

02 November 2024, 17:05