ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ መዓልቲ ኩሎም ቅዱሳን፦ ብሓገዝ ጎይታ ቅድስና ንብህግ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
"ንእግዚኣብሄር፡ ብጸሎት፡ ህያብ ቅዱስ ሕይወት እልምኖ ድየ? በቲ መንፈሱ ኣባይ ዘነቓቕሖ ሰናይ ድርኺት ክምራሕ ድየ ዝፈቅድ? ከምኡ'ውን ብውልቀይ ነቲ ወንጌል ብጹዓን ዘብሉና ክብርታት ኣብቲ ዝነብረሉ ከባቢታት ክነብሮ እፍትን ድየ? ዝብሉ ሕቶታት ዕለት 1 ሕዳር ክብረ በዓል ኵሎም ቅዱሳን ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ኣቕሪቦም፥ ምእመናን ነዘን ሕቶታት እዚኣተን
ብዕምቆት ከስተንትኑ ተላብዮም፥ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ብዛዕባ ብጹዕና ዝተዛረቦ ቃላት ዘኪሮም እተን ቃላት ናይ ክርስቲያን ናይ መንነት ሰነድ እዩ፡ እተን ቃላት ድማ ናብ ቅድስና ዝወስድ መገዲ ምዃነን ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ህያብ ካብ ኣምላኽ
በዚ መንጽር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድስና ካብ እግዚኣብሔር ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥ ከመይሲ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ ንሱ ኢዩ ዝቕድስ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ "ንልብና ምስ ልቡ ክመሳስሎ ቅዱሳን ክገብረና እንልምኖ ጐይታ ኢዩ፡ ብጸጋኡ ኢና እንቕደስ ምስ በሉ፥ ጐይታ ከምቲ ዘፍቅረና ከነፍቅር ዝዕንቅጸና ዘበለ ኩሉ ይፍውሶን ሓራ የውጽኣናን፡ ኣባና ከምቲ ብጹዕ ካርሎ ኣኩቲስ ዝብሎ ዝነበረ ኩሉ ግዜ 'ንእግዚኣብሔር ኣብ ህይወተይ እቲ ዝዓበየ ቦታ መታን ክህልዎ ገዛእ ርእሰይ ትሕት ምባል ንመሃር ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መልስና
እዚ ድማ ነቲ ካብ እግዚኣብሔር ንዝቐርበልና ጸዋዕታ ቅድስና መልሲ ክንህበሉ ይመርሓና፡ ኣብዚ መንጽር እዚ ቅዱስነቶም፥ እግዚኣብሔር "ብሓቂ ቅድስናኡ የቕርበልና እምበር ከም ጸቕጢ ኣብ ልዕሌና ዘቕርቦ ኣይኮነን . . .
"ኣባና ይዘርኦ፡ ጣዕሙ ከም እነስተማቕርን ጽባቐኡ ከም እንርእን ይገብረና፡ . . . መልስና እዩ ዝጽበ . . . ነቲ ሰናይ ክንስዕቦ፡ ኣብ መደባቱ ክንሳተፍ፡ ስምዒታቱ ናትና ክንገብሮ፡ ከምቲ ንሱ ዝመሃረና ገዛእ ርስና ኣብ ኣገልግሎት ካልኦት ንኸነቕርብ።”
ናይ ዘመንና ቅዱሳን
እዚ ኩሉ ኣብ ሕይወት ቅዱሳን "ኣብ ዘመንና ከይተረፈ" እንርእዮ ምዃኑ ኣጉሊሖም "ብዙሕ ቅድስና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ርኣዩለን ስምዑለይን ከም ዝንበርን . . . "ቅዱስ ማክሲሚልያን ኮልበ፡ ኣብ ኦሽዊትዝ ኣብ ክንዲ ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ኣቦ ንሞት ዝተፈርደት ክስዋዕ፤ ወይ ድማ ብዛዕባ እታ ህላወኣ ኣብ ኣገልግሎት ንኻልኦት ዘሕለፈት ቅድስቲ ተረዛ ዘካልካታ . . . ወይ ድማ ጳጳስ ቅዱስ ኦስካር ሮሜሮ፣ ንመሰል ውጹዓት ዝተጣበቐ ካብ ግህሰት ዓፋኒ ስርዓት ስለዝተኸላኸለ መስዋዕተ ቅዳሴ እናዕረገ እንከሎ ሰማእትነት ዝተቐበለ . . . ከም ኣብነት ጠቒሶም፥ "ኣብኦም ከምቲ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ቅዱሳን - ነቶም ኣብ መሰውኢ እነኽብሮምን እቶም 'ኣብ ጎረቤትና ዘለዉን'፡ መዓልታዊ እንራኸቦም ገድሊ ብጽዕና ዝነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን እነለልየሉ መዓልቲ እዩ . . .
ናብ ቅድስና ዝወስድ ባህርያዊ ድሌት ምቕባል
" ቅዱሳንን ቅዱሳትን ብኣምላኽ ዝተመልኡ ሰባት እዮም" ዝብል ኣብ ቅድስና ዘሎ ባህርይ ኣጒሊሖም፥ "ብዛዕባ ድሌት ብጻዮም ዘይግደሱ ኮይኖም ክጸንሑ ዘይክእሉ . . . ንዓና ከይተረፈ እንታይ ዓይነት ህይወት ክንነብር ከም እንኽእል ድማ ይምስክሩን ኣስተንፍሶ እውን ይህቡ” ምስ በሉ ኣስዒቦም፡ ብውልቃውን ተግባራውን ደረጃ ብኣብነታት ቅዱሳን ንቕድስና ክንድረኽ ከም እንኽእል ድማ ኣስተብሂሎም፥ ቅድስቲ ኣዴና ማርያም ሕይወት ቅዱሳን መንገዲ ቅድስና ክኾነና ትሓግዘና” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሄር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።