2024.11.25 Concistoro 5.10.2019 Papa Francesco saluta il cardinale Miguel Angel Ayuso Guixot 2024.11.25 Concistoro 5.10.2019 Papa Francesco saluta il cardinale Miguel Angel Ayuso Guixot 

ር. ሊ. ጳ. ንዕዮ ካርዲናል ኣዩሶ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ንዘሎ ሕውነት እተወፈየ ክብሉ ኣሞገስዎ

ጳጳሳዊ ናይ ተሌግራም መልእኽቲ ሓዘን ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲና ኣዩሶ ኣብ ዝጸሓፈዎ ነቲ ኣብ ምሉእ ህይወቶም ብዙሕ ደኺመ ኸይበሉ ንቤተ-ክርስትያን ዘወፈይዎ ኣገልግሎት ኣሞጊሶም። ብፁዕ ካርዲናል ኣዩሶ "ኣብ ዓቢይ እምነት ጸኒዖም" ንነዊሕ እዋን ብሕማም ክሳቐዩ ድሕሪ ምጽናሕ ብ25 ሕዳር ኣብ መበል 72 ዕድሜኦም ናብ ቤት ኣቦኦም ተሳጊሮም ኣለዉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ምጽንናዕ ዝለኣኽዎ ናይ ተሌግራም መልእኽቲ፣ ነዞም እስጳኛዊ ብፁዕ ካርዲናል ሚገል ኣንጀል ኣዩሶ ኺሶ ከምኡውን "ኣብ ኵሉ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ምስክርነት ንምሃብ ብትሕትናን ብጥበብን ከምኡውን ኣብ መንጎ ህዝብታትን ሃይማኖታትን ብምዕያይ ነቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ወትሩ ህያው ምስክር ከም ዝነበሩ" ዘከሩ።

ናይቲ ብዛዕብ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ካርዲናል ኣዩሶ ትማሊ ብዕለት 25 ሕዳር ኣብ መበል 72 ዕድሚኦም ናብ ሰማያዊ ቤቶም ተሰጋጊሮም ኣለዉ። እዞም እስጳኛዊ ካርዲናል ኣብ ቤተሕክምና ጀመሊ ሮማ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክግበረሎም ድሕሪ ምጽናሕ "ድሕሪ እቲ ብዓብዪ እምነት ዘሕለፍዎ ነዊሕ ሕማም" ዓሪፎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቲ ብፁዕ ካርዲናል ኣዩሶ ብ1973 እተጸምበሮ ማሕበር ካህናት ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ኮምቦኒ ምኽትል ጠቕላሊ ሓለቓ ዝኾኑ ክቡር ኣባ ዴቪድ ኮስታ ዶሚንግስ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ጽሒፎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም "መንፈሳዊ ውሉድ ቅዱስ ዳንኤል ኮምቦኒ" ከም ምዃኖም ብምዝካር፣ ብ2019 ነቲ ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ዝግበር ርክብ ንዝመርሕ ላዕላዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ንብፁዕ ካርዲናል ዣን-ሉዊ ቶራን ተኸቲሎም ክመርሑ ተመዙ፣ ኣብ እተፈላለየ ኣህጉራዊ ሓዋርያዊ ጕዕዞታት ቅዱስነቶም ከም ዘሰነይዎም ውን ጠቐሱ።

ብለጋስን ደኺመ ኸይበሉ ዘወፈይዎ ኣገልግሎታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ብፍቕርን ብኣድንቖትን" ንኣገልግሎት ናይቲ "ንወንጌልን ንቤተ-ክርስትያንን ኣብነታዊ ተወፋይነትን ውዕኡዕ ስምዒትን ብዘለዎ መንፈስ ንዘገልገሉ ሓው" ነኣድዎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ "ብመጀመርያ ደረጃ ኣብ ግብጽን ሱዳንን ብቀናእ ሚስዮናዊ ተልእኾ ደሓር ከኣ ከም ኣቦ መንበር ተቅዋም መጽናዕቲ ቋንቋ ዓረብን እላማዊ መጽናዕትን ብምዃን፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብሪ ብዛዕባ ጉዳያት ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መብንር ብምግልጋል" ብልግሲ ዘወፈይዎ ኣገልግሎት ዓሚቝ ምስጋናኦም ገለጹሎም። ናብ ኣምላኽ ብምጽላይ "ብኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣቢሎም፣ ነዚ እሙን ኣገልጋሉኡ ኣብ ሰማያዊት የሩሳሌም ክቕበሎ ኢዩ" በሉ።

ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝካየድ ሥርዓተ ቀብሪ

ተወከልቲ ኻልኦት ሃይማኖታት ውን ንካርዲናል ኣዩሶ ብዙሕ ናይ ምጽንናዕ መልእኽታት ኣመሓላሊፎም ኢዮም፣ እዚ ድማ ነቲ ዓብዪ ሰብኣዊ ማሕበረሰብን ነቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን ንምድንፋዕ ዝገበርዎ ጻዕርን ዘጕልሕ ኢዩ ። ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅዱስቲ መንበር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሥርዓተ ቀብሪ "ሎሚ ዕለት 27 ሕዳር ሰዓት 2፡00 ድ. ቀ.  በቶም ኣፈ-ጉባኤ ናይ ጉባኤ ካርዲናልት ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ብዝምራሕ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዙሓት ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ኣብ ዝሳተፍዎ ክካየድ ኢዩ። ኣብ መደምደምታ እቲ ሥርዓተ ቀብሪ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ ግብኣተ ምሬት ሥርዓታት ክመርሑ ኢዮም።

27 November 2024, 16:13