ድለ

MYANMAR-LANDMINES-CONFLICT MYANMAR-LANDMINES-CONFLICT  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ምያንማር ዓመጻ ደው ክብልን ሰላም ንምርካብ ልባዊ ዘተ ክካየድ ጸልዮም

ትማሊ ሰንበት ደድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳ ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እተን ብውግእ ዝዓንዋ ዘለዋ ሃገራት እንክጽልዩ "ብፍላይ እቶም ኣዝዮም ንሓደጋ እተቓልዑ ማለት ቈልዑ ኣረጋውያን ሕሙማት ስደተይናታን እንተላይ ሕዝቢ ሮሂንጃን" ብምባል ጸልዪም። ኵሉ ሰብ ንዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ሊባኖስ ከምኡውን ሱዳን ክዝክር ድማ ተማሕጸኑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መደምደምታ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንደስኮ ሰላም ንምምጻእ ዘተ ምክያድን ሓሳብት ምክፋልን ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ዘከሩ። ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ እሙናን ድማ፣ ነቶም ብሰንኪ ግጭት ዝሳቐዩ ዘለዉ ንኽዝክርዎም እንደገና ተማሕጸንዎም ። ብፍላይ ነታ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 25 ሕዳር ዝዝከር ናቲ ብ1920 እተገብረ ናይ መጀመርታ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ መንበረ ጥበብ ዝወረደ መጥቃዕቲ እትዝክር ሃገረ ምያንማር ትዓኑ ከም ዘላ ጠቐሱ።

"ጽባሕ ሃገረ ምያንማር፣ ነቲ ነታ ሃገር ናብ ናጽነታ ዝመርሕ ናይ መጀመርታ ተቓውሞ ተማሃሮ ንምዝካር፣ ሃገራዊ በዓል ተብዕል ኣላ፣ እዚ ድማ ሰላምን ደሞክራሲያውን እዋን ንኽመጽእ ተስፋ ብምግባር ኢዩ። ንብምሉኦም ተቐማጦ ምያንማር ብፍላይ ከኣ ነቶም ብቐጻሊ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም እተቓልዑ ማለት ቈልዑን ኣረጋውያን ሕሙማት ስደተኛታት እንተላይ ንሕዝቢ ሮሂንጃ ድንጋጸይ እገልጸሎም ኣሎኹ። ንዅሎም እቶም ኣብቲ ጕዳይ እቱዋት ዝዀኑ ሰባት ኣጽዋሮም ከውርዱ ንነባሪ ሰላም ዘኽእል ቅኑዕን ንዅሉ ዝሓቍፍን ዘተ ክጅምሩ ልባዊ ምሕጽንታ አቕርበሎም ኣሎኹ።" ክብሉ ተማሕጸኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ኣብ ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ሊባኖስ ከምኡውን ሱዳን ሰላም ንኽሰፍን ኵሉ ሰብ ኣበርቲዑ ክጽሊ ውን ተማሕጸኑ።

25 November 2024, 17:21