ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ንዝሓለኡ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ይዝክሩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ፍራንቸስኮ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና 2024 ዓ.ም. ዝሓለፉ 7 ካርዲናላትን ልዕሊ 120 ጳጳሳትን ዝኽሪ ኣብ ጳጳሳዊ ቤተ ጸሎት ኣብ ዝሰርዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ብዛዕባ እቲ ምስ ኢየሱስ ዝተሰቕለ ፈያታይ ዘየማን “ኢየሱስ ናብ መንግስትኻ ምስ ኣተኻ ተዘከረኒ” ዝበሎ ቃላት ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥
እቲ ፈያታይ ዘየማን ካብ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ዘይኰነስ፡ ምስ ኢየሱስ ኣብ መወዳእታ ህይወቱ ጥራይ ዝተራኸበ ገበነይና፥ “እዘን ናይ ወንጌል ናይ መወዳእታ በቲ ኣብ መወዳእታ ሕይወቱ ጥራይ ምስ ኢየሱስ ዝተራኸበ ዝበለን ቃላት ናይ ዘተ ኣንፈት የበግሳ፥ ምስቲ “ግቡእ ዓስቢ ግብሩ” ዝረኸበ “ገበነይና” ክንላለ ንኽእል ኢና፥ “እንተኾነ ግን ካብኡ ዝዓቢ” ንኢየሱስ ክዝክረና፣ ኣብ ዝኽሩ ብህይወት ክጽንሓና ክንልምኖ ከም እንኽል ኣስተብሂሎም፥ ምእመናን ኣብታ ብቋንቋ ጣልያን “ኣብ ልቢ ምሓዝ” ዝብል ትርጉሙ ዘለዋ “ምዝካር” እትብል ቃል መሰረት ገይሮም፥ ኣብታ ናይ መወዳእታ ሰዓት እቲ ብየማን ሸነኽ ተሰቒሉ ዝነበረ ፈያታዊ “ተቐባሊ ልቢ ክረክብ” ጥራይ እዩ ዝምነ ዝነበረ፡ ኢየሱስ “ከምቲ ወትሩ ዝገብሮ ድማ ጸሎት ሓጥእ ኣብ መወዳእታ ህይወቱ ይሰምዕ፡ ዝኽሪ ኢየሱስ ብምሕረት ሃብታም ስለ ዝኾነ ኣድማዒ እዩ” እንክብሉ ኣጽኒዖም ንሰማዕቱ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘመን ናብ ልቢ እግዚኣብሔር ብምምላስ፡ ተስፋ ድሕነት ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ” የዘኻኽረና።
ኣብ መወዳእታ፡ ኢየሱስ “ርህሩህን መሓርን ፈራዳይ” ምዃኑ ብምዝካር፡ ብፍላይ ናብቶም ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና 2024 ዓ.ም. ዝሓለፉ ጳጳሳትን ካርዲናላትን ገይሮም፥ “ሎሚ ንኣኣቶም እነቕርቦ ተዝካር ናኣኣቶም ናይ ኣማላድነት ጸሎት ይኾነሎም . . . ብጽኑዕ ተስፋ፡ ኣብ ሰማያዊ ቤት ምስኦም ናይ ሓጎስ ተኻፈልቲ ንኽንከውን ብሃንቀውታ ንጽበ! እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።